YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 38

38
ይሁዳን ትእማርን
1በቲ ወርሓት እቱይ ከዓ፥ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፥ ምስ ሓደ ኤራስ ዝስሙ ኣዶሎማዊ ሰብ ክቕመጥ ከደ። 2ኣብኡ ድማ ጓል ሓደ ሴዋ ዝስሙ ከነዓናዊ ሰብኣይ ረአየ፤ ወሰዳሞ ናብኣ ኣተወ። 3ንሳ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ዔር ኢላ ድማ ሰመየቶ። 4ደጊማ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ኣውናን ኢላ ድማ ሰመየቶ። 5መሊሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሴሎም ኢላውን ሰመየቶ። ንእኡ ኽትወልድ እንተላ፥ ክዚብ ኣብ ዝበሃል ሃገር ነበረት።
6ይሁዳ ድማ ንበዅሪ ወዱ ንዔር፥ ትእማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምፅአሉ። 7በዅሪ ይሁዳ ዔር ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ቐሰፎ። 8ሽዑ ይሁዳ ንኣውናን “ኪድ እሞ ንሰበይቲ ሓውካ ውረሳ፤ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቑመሉ” በሎ። 9ኣውናን ግና እቲ ሓድጊ ንእኡ ኸም ዘይኸውን ፈለጠ። ሽዑ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኽኣቱ እንተሎ፥ ንሓዉ ሓድጊ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ ነቲ ዘርኡ ናብ ምድሪ የፍስሶ ነበረ። 10እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ እሞ፥ ንእኡውን ቀሰፎ። 11ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።
12ድሕሪ ብዙሕ እዋን ድማ ጓል ሴዋ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ምስ ወድአ ምስ ፈታዊኡ ኤራስ ኣዶላማዊ ናብቶም ኣባጊዑ ዝቐርፁ ዝነበሩ ሰባት ናብ ተምና ደየበ። 13ንትእማር ድማ “እንሆ ድማ ሓሙኺ ይሁዳ፥ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ናብ ተምና ይድይብ ኣሎ” ኢሎም ነገርዋ። 14ንሳ ኸዓ፥ ሴሎም ዓብዩ እንተሎስ፥ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተውሃበት ሪኣ ነበረት እሞ፥ ነቲ ኽዳን መበለትነታ ኣንቢራ፥ ብሻሽ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተምና ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።
15ይሁዳ ምስ ረአያ ድማ ገፃ ሸፊና ስለ ዝነበረት ኣመንዝራ መሰለቶ። 16ንሱ ኸዓ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ስለ ዘይፈለጠ፥ ናብቲ ንሳ ዝተቐመጠትሉ ወሰን መንገዲ ኣግሊሱ “በይዛኺ ናባኺ ኽኣቱ ፍቐድለይ?” በላ። ንሳ ድማ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ ትህበኒ?” በለቶ።
17“ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ ክሰደልኪ እየ” በላ። ንሳ ኸዓ “ክሳዕ እትሰደለይከ እንታይ ትሕጃ ትህበኒ?” በለቶ።
18ንሱ ኸዓ “እንታይ ትሕጃ እሞ ኽህበኪ?” በላ። “ቀለበትካን ኣምባርካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሂብዋ ኸዓ ናብኣ ኣተወ፤ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት። 19ተሲኣ ኸዓ ኸደት፤ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ፥ ከም ቀደማ ኽዳን መበለትነታ ተኸደነት።
20ይሁዳ ድማ ነቲ ዘትሓዞ፥ ካብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ ኢሉ፥ ብኢድ እቲ ፈታዊኡ በዓል ኣዱላም ጥቦት ጤል ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። 21ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት “እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መንገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ ኣላ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ ኣመንዝራ ኣይነበረትን” ኢሎም መለሱሉ።
22ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ “ኣይረኸብክዋን፥ እቶም ኣብታ ቦታ ዝነብሩ ኸዓ ‘ኣብዙይስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን’ ኢሎምኒ” በሎ።
23ይሁዳ ድማ “ጥቦት ሰዲደላ ነይረ፥ ንስኻ ኸዓ ኣይረኸብካያን እሞ፥ ከይንዋረድስ ነቲ ዘትሓዝክዎ ትሕጃ ትውሰዶ” በለ።
24ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ “ትእማር ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፥ እንሆ ኸዓ ብዝሙት ጠኒሳ” ኢሎም ንይሁዳ ነገርዎ። ይሁዳ ድማ “ኣውፅእዋ፥ ብሓዊ ኣንዲድኩም ከዓ ቕተልዋ” ኢሉ ኣዘዘ።
25ምስ ኣውፅእዋ፥ ናብ ሓሙኣ ልኢኻ “እዝ ቐለቤት እዙይን፥ እዝ ኣምባር እዙይን፥ እዛ በትሪ እዚኣን፥ ናይ መን ከም ዝኾና እስኪ በይዛኻ ኣለልየን። ኣነ ኻብ ዋና እዘን ኣቑሑት እዚኣተን እየ ጠኒሰ ዘለኹሞ” በለቶ።
26ይሁዳ ኸዓ ኣቑሑቱ ኣለልዩ፥ “ሓቃ እያ፤ ኣነ እየ ዝተጋጌኹ፤ ንሴሎም ወደይ ክህባ ይግብአኒ ነይሩ” በለ። ብድሕሪኡ ግና ናብኣ ኣይኣተወን።
27ጊዜ ሕርሳ ምስ በፅሐ፥ እንሆ ኣብ ማህፀና ማንታ ደቂ ነበሩ። 28ክትወልድ እንተላ፥ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውፅአ፥ እታ መሕረሲት ከዓ “ቅድም ዝወፀ እዙይ እዩ” ኢላ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። 29እንተ ኾነ ንሱ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፥ ሓዉ ኸዓ ቕድም ተወለደ። ሽዑ እታ መሕረሲት “ከምዙይ ጌርካ እምበኣር ጥሒስካ ወፂእኻ” በለት። ፋሬስ #38፡29 ፋሬስ፦ ብዕብራይስጢ “ጥሒስካ ምውፃእ” ማለት እዩ። ኢሎም ድማ ሰመይዎ።
30ብድሕሪኡ ኸዓ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ተወለደ። ዛራ #38፡30 ዛራ፦ ብዕብራይስጢ “ቀይሕ” ወይ “ብርሃን” ማለት እዩ። ኢሎም ድማ ሰመይዎ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 38: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in