ገላትያ መእተዊ
መእተዊ
ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምህር ቃል ወንጌል እናተሰብከ፥ ኣብ መንጎ እቶም ኣይሁድ ዘይኮኑ ሰባት ከዓ፥ ተቐባልነት እናረኸበ ክኸይድ እንተሎ፥ “ሓቀኛ ክርስቲያን ንምዃን፥ ሕጊ ሙሴ ምፍፃም የድሊ ድዩ? ወይ ኣየድልን?” ዝብል ጥያቐ ተልዓለ። ጳውሎስ ከዓ “ክርስቲያን ንምዃን፥ ሕጊ ሙሴ ምፍፃም ኣየድልን እዩ። እኳ ደኣ ብክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ንምርካብ፥ መሰረቱ እምነት እዩ። ሰባት ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፀድቁ ዝኽእሉ፥ ብእምነት ጥራሕ እዩ” ብምባል ይከራኸር። እንተ ኾነ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ንእሽተይ እስያ፥ ኣብታ ናይ ሮሜ ግዝኣት ዝኾነት፥ ኣብ ገላትያ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን ዝነበሩ ሰባት “ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፀድቕ ዝኽእል፥ ብኢየሱስ ብምእማን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕጊ ሙሴ ኽፍፅምውን ግቡእ እዩ” እናበሉ ብምምሃር ንጳውሎስ ዝቃወሙ ሰባት ነበሩ።
ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ሰብ ገላትያ ዝፀሓፋ ድማ፥ ነቶም በዝ ግጉይ ዝኾነ ትምህርቲ ዝተታለሉ ሰባት፥ ናብ ቅኑዕ እምነትን ተግባርን ምእንቲ ኽምለሱ እዩ። ጳውሎስ፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ተብሂሉ ኽፅዋዕ መሰል ከም ዘለዎ ብምርግጋፅ ይጅምር። ንሃዋርያነት ዝፀውዖ ድማ፥ ባዕሉ እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ከም ዘይኮነ፥ ተልእኾኡውን ብፍላይ ኣይሁድ ናብ ዘይኮኑ ሰባት ምዃኑ የረድእ። ኣስዒቡ ድማ ሰባት ክፀድቁ ዝኽእሉ፥ ብእምነት ጥራሕ ምዃኑ ኣብሪሁ ይገልፅ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ከዓ፥ ክርስቲያናዊ ባህርይ፥ ካብቲ ንኢየሱስ ብምእማን ዝርከብ ፍቕሪ ዝፍልፍል ምዃኑ ይምህር።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-10
2. ስልጣን ጳውሎስ ከም ሃዋርያ 1፡11-2፡21
3. ፀጋ እግዚኣብሄር ዝህብ ወንጌል 3፡1-4፡31
4. ናይ ክርስቲያን ነፃነትን ሓላፍነትን
5፡1-6፡10
5. መደምደምታ 6፡11-18
Currently Selected:
ገላትያ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: