ገላትያ 1
1
1ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥ 2ካብቶም ኵሎም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትን፥
ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ 3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። 4#ቈላ. 1፡22፥ 2 ጢሞ. 1፡9። ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ። 5ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ካልእ ወንጌል የለን
6 #
ዮሓ. 1፡12። ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤ 7#ማቴ. 26፡28። እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን። 8ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን። 9ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፥ ሕዚ እውን ደጊመ እብል ኣለኹ፤ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዝቃረን፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።
10 #
ኤፌ. 3፡3-6፥ ቈላ. 1፡20። በዙይከ ናይ ሰብ ናእዳ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ወይ ከዓ ናይ ኣምላኽ? ወይ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝደልስ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ነይረ።
ጳውሎስ ሃዋርያ ክኸውን ከም ዝተፀውዐ
11ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ብኣይ ዝተሰብከ ወንጌል፥ ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣለኹ። 12#ኢሳ. 43፡21፥ ሮሜ 8፡17፥29-30። ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።
13 #
2 ቆሮ. 1፡22። ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም። 14#ሮሜ 8፡23። ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት፥ ካብ መብዛሕቶም ደቂ ዓደይን ብፆተይን እበልፅ ነበርኩ። ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ። 15እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥ 16ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን። 17#ቈላ. 1፡9። ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት ክርኢ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እምበር፤ ደጊመውን ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። 18ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከዓ፥ ንኬፋ #1፡18 ኬፋ፦ ብኣራማይስጢ “ኬፋ” ብግሪክ “ጴጥሮስ” ብትግርኛ “ኰዅሒ” ማለት እዩ። ኽርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ምስኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ፀናሕኹ። 19እንትርፊ ያእቆብ ሓው ጐይታና፥ ካልእ ካብ ሃዋርያት ንሓደኳ ኣይረአኹን። 20እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ። 21#ግ.ሓ. 2፡32-33፥ ፊልጵ. 2፡9-11፥ 1 ጴጥ. 3፡22። ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ። 22#መዝ. 8፡6፥ ማቴ. 28፡18፥ ቈላ. 1፡18። እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ። 23#ሮሜ 12፡4-5። “እቲ ቐደም ዘሳጕጐና ዝነበረ፥ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ” ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ። 24ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሄር ኣመስገና።
Currently Selected:
ገላትያ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: