2ይ ቆሮንቶስ 13
13
መወዳእታ ስምዕታ
1 #
ዘዳ. 19፡15፥ 2 ቆሮ. 12፡14። ናባኻትኩም እንትመፅእ፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜይ እዩ። “ነገር ዝቐውም፥ ብኣፍ ክልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር እዩ።” 2#2 ቆሮ. 12፡21። ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤ 3እዙይውን፥ ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዝዛረብ መረጋገፂ ስለ እትደልዩ እዩ። ክርስቶስ፥ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊ እምበር፥ ብድኻም ኣይግለፅን እዩ። 4#ሮሜ 6፡4፥9-10፥ 1 ጴጥ. 3፡18። ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና። 5#ሮሜ 8፡9-10። ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም። 6ንሕና ግና፥ ብቑዓት ከም ዝኾንና፥ ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር። 7ከቶ ኽፉእ ኸይትገብሩ፥ ንእግዚኣብሄር ንልምኖ ኣለና። ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቕና እንተ ተቘፀርና እኳ፥ ንስኻትኩም ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ እምበር፥ ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝሰዓርና ምእንቲ ኽነርኢ ኣይኮነን፥ እንፅልዮ ዘለና። 8ንሕና ንሓቂ ዝድግፍ እምበር፥ ንሓቂ ዝፃረር፥ ሓደኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና እሞ። 9ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ። 10#2 ቆሮ. 10፡8። ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
11 #
ሮሜ 12፡18፥ ፊልጵ. 2፡2፥ 4፡4። ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። 12#1 ቆሮ. 16፡20። ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። 13ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
14ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
Currently Selected:
2ይ ቆሮንቶስ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: