YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 9

9
1እዝ ነገር እዙይ ምስ ተወድአ ድማ፥ እቶም ኣሕሉቕ ናባይ ቀሪቦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ከምቲ ናይ ከነዓናውያን ናይ ኬጢያውያን፥ ናይ ፌርዛውያን፥ ናይ ኢያቡሳውያን፥ ናይ ኣሞናውያን፥ ናይ ሞኣባውያን፥ ናይ ግብፃውያንን፥ ናይ ኣሞራውያንን ርኽሰት ይገብሩ ኣለዉ እምበር፥ ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈለዩን። 2እዙይ ከዓ ንኣኣቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፥ ነቲ ቕዱስ ዘርኢ ኸዓ ምስ ኣህዛብ ምድሪ እዘን ሃገራት እዚኣተን ስለ ዝሓወሱ እዩ። ነዝ ዓመፃ እዙይ ዋናታት ዝኾኑውን እቶም መራሕቶምን ሹመኛታቶምን እዮም” በሉኒ።
3ነዝ ነገር እዙይ ምስ ሰማዕኹ ድማ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ፀጒሪ ርእሰይን ጭሕመይንውን ነፀኹ፤ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ። 4ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሑ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመፃ እቶም ካብ ምርኮ እተመለሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸዓ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ሓዚነ ኾፍ በልኩ። 5ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ድማ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሓዘነይ ተሳእኹ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኹ። 6ከምዙይ ኢለ ድማ ፀለኹ፦ “ኦ ኣምላኸይ፥ ሓጢኣትና ልዕሊ ርእስና በፂሑ፤ ኣምላኸይ፥ ገፀይ ናባኻ ቕንዕ ምባል የሕፍረንን የፍርሐንን። 7ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
8“ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ። 9ንሕና ባሮት ኢናሞ፥ ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን፤ ምሕዳስ ህይወት ምእንቲ ኽህበና፥ ቤት ኣምላኽናውን ክንሰርሕ፥ እቲ ዝፈራረሰ ቅፅርውን ክንሕድስ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ቅፅሪ ኽግበረልና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ሃበና።
10-12 # ዘፀ. 34፡11-16፥ ዘዳ. 7፡1-5። “ኦ ኣምላኽና እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ንሳ ብርኽሰት እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለዉ ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትፀንዑን ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፥ ደቅኹም ከዓ ንዘለኣለም ክወርስዋስ፥ ሕዚ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ። ኣዋልዶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ድሕንነቶምን ኣይትድለዩ ኢልካ ብባሮትካ ነቢያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፥ ሕዝኸ ድሕሪዙይ እንታይ ክንብል ኢና?
13“እዝ ዅሉ ዝበፅሐና ብሰንኪ ኽፉእ ስራሕናን ብሰንኪ ብዙሕ በደልናን እዩ፤ ንስኻ ኣምላኽና ግና፥ ከም ብዝሒ በደልና ኣይቐፃዕኻናን፤ እኳ ድኣ ተረፍ ሃብካና እምበር። 14ትእዛዝካ ኽነፍርስ ተመሊስና ኢናሞ፥ ምስ እዞም ርኹስ ስራሕ ዝሰርሑ ኣህዛብውን ተዋሲብና ኢናሞ፥ ካባና ኻብ ሞት ዘምልጥ ኽሳዕ ዘይህሉ ፈፂምካ ኣይትቈጠዐና። 15ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኒሀና፤ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመፃና ኣለና፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ዝኽእል የለን።”

Currently Selected:

እዝራ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in