YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 44

44
ኣገልግሎት ምብራቓዊ ኣፍ ደገ
1ድሕሪዙይ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወፃኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፤ ዕፅውቲ ኸዓ ነበረት። 2እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፥ እዛ ደገ እዚኣ ዕፅውቲ ትኹን፤ ኣይትከፈት ሰብውን ኣይእተዋ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብዕፅውታ ትንበር። 3እቲ ሓለቓ ድማ ኸም ሓለቓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዕ ኣብኣ ኽቕመጥ እዩ፤ ንሱ ብመንገዲ ደገ እታ ገበላ ኽአቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክወፅእ እዩ።
ሕጊ ምእታው ቤተ መቕደስ
4ድሕሪዙይ ድማ ብመንገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፥ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምፅአኒ። ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ ኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። 5እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ዅሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኵሉ ሕግጋታን ዝነግረካ ዘለኹ፥ ልብኻ ኣውድቐሉ፤ በዒንትኻ ድማ ተመልከቶ፤ በእዛንካውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን፥ ንዅሉ መውፅኢ እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህለሉ።
6“ነዞም ዓመፅቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ኣቱም ቤት እስራኤል ኵሉ ርኽሰትኩም ይእኸልኩም። 7እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ። 8ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”
9እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፥ ልቡ ዘይተገርዘ፥ ስጋኡውን ዘይተገርዘ፥ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።”
ብኽህነት ከየገልግሉ ዝተኸልከሉ ሌዋውያን
10እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሓቑ፥ ንጣዖታቶም ክስዕቡ ኻባይ ዝረሓቑ ሌዋውያን ግና፥ ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም። 11ኣብ ደገታት እታ ቤት ከዓ ሓለውቲ ክኾኑ፥ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፥ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክኾኑ እዮም፤ ንሳቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቖሙ እዮም። 12ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ኣገልጊሎምዎም፥ ንቤት እስራኤል ከዓ መዐንቀፊ ሓጢኣት ኮይኖምዎም እዮም እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም፥ ኢለ፥ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 13“ንሳቶም ድማ ነውሮምን፥ ነቲ ዝገበርዎ ፅያፎምን ደኣ ኽፆሩ እዮም እምበር፥ ብመዓርግ ክህነት ከገልግሉኒ፥ ናብቲ እተቐደሰ ነገረይ፥ ናብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ነገር፥ ናባይ ኣይቐርቡን እዮም። 14ንዅሉ ስራሓን፥ ነቲ ኣብኣ ዝግበር ኵሉን፥ ሓለውቲ እታ ቤት ክኾኑ ኽሓርዮም እየ።”
ካህናት
15“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 16ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም። 17ብደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ክኣትዉ እንተለዉ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ኣልባሳት ክለብሱ እዮም፤ ኣብ ደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድን፥ ኣብ ውሽጥን ከገልግሉ እንተለዉ ዝኾነ ናይ በጊዕ ጨጉሪ ኣይኽደኑን እዮም። 18ኣብ ኣራእሶም ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ሻሽ ክጥምጥሙ፥ ኣብ ሕቘኦምውን ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ስረ ኽዕጠቑ፥ ዘርህፅ ነገር ኣይዕጠቑን እዮም። 19ናብ ወፃኢ ዓፀድ፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ህዝቢ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቕድስዎስ፥ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ከውፅእዎ፥ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከዓ ኸንብርዎ፥ ካልእ ክዳውንቲ እውን ክኽደኑ እዮም። #ዘሌ. 16፡23።
20“ነቲ ፀጕሪ ርእሶም፥ በብሓፂሩ ደኣ ኽቘርፅዎ እዮም እምበር፥ ርእሶም ኣይላፅዩን፤ ፀጕሮም ድማ ኣየንውሑን እዮም። #ዘሌ. 21፡5። 21ካህን ዝኾነ ዅሉ፥ ናብቲ ውሽጢ ዓፀድ ክአቱ እንተሎ ወይኒ ኣይሰትን እዩ። 22ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝኾነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ኣየእትዉን እዮም። #ዘሌ. 21፡7፥ 13፡14።
23“ንሳቶም ንህዝበይ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ምልላይ ከዓ ኸፍልጥዎ እዮም። #ዘሌ. 10፡10። 24ኣብ ምጕት ፈራዶ ኾይኖም ክቖሙ፥ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከዓ ኽፈርዱ እዮም፤ ብዅሉ በዓላት ዓመተይ፥ ንሕግጋተይን ንስርዓተይን ክሕልዉ፥ ሰናብተይውን ክቕድሱ እዮም።
25“ከይረኽሱ፥ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፤ በቦን እኖን ብወድን ጓልን ብሓውን ብዘይአእተወት ሓፍትን ጥራሕ ይርከሱ። #ዘሌ. 21፡1-4። 26ድሕሪ ምንፃህ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝፀሩሉ። 27በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
28“ርስቲ ይኹኖም፤ ኣነ እየ ርስቶም፤ ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሃብዎም፤ ግደኦም ኣነ እየ። 29ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን። #ዘሑ. 18፡8-19። 30ኵሉ በዅሪ ፍርያትኩምን፥ ኵሉ መባእኹም ዝኾነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን፤ ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራ፥ በዅሪ ሕሩጭኩም ብዛዕባኡ ሃቡ። 31እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይ ካብ ከፍቲ ባዕሉ ሞይቱ ዝበኸተን ወይ ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብልዑ” ድማ በለኒ። #ዘፀ. 22፡31፥ ዘሌ. 22፡8፥ 25፡10።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 44: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in