YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 38

38
ኣንፃር ጎግ ዝተዘርበ ትንቢት
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ጎግ ኣብ ምድሪ ማጎግ፥ እቲ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን መልስ እሞ ኣንፃሩ ተነበየሉ፤ #ራእይ 20፡8። 3በልውን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን ኣብ ክሳድካ ኣለኹ። 4-5ክመልሰካ ኣብ ምንጋጋኻ ልጓም ክገብር እየ፤ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ ብዙሓት ጭፍራን፥ ዋልታን ቍራዕን ዘለዎም፥ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፥ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ዓብዪ ጭፍራ ገይረ ኸውፅአካ እየ። 6ንጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ቤት ቴርጋማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ንብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ ኸውፅኦም እየ። 7ተዳሎ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፤ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን። 8ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትድለ ኢኻ፤ ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት፥ ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፥ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ እምባታት እስራኤል ክትአቱ ኢኻ፤ ካብ ህዝብታት ወፂኣስ ኵላቶም ሃዲኦም ክነብሩላ እዮም። 9ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።”
10እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ነገር ኣብ ልብኻ ኽትስእ እዩ፤ ክፉእ ሓሳብውን ክትሓስብ ኢኻሞ፥ 11ናብታ ዘይተዓረደት ሃገር ክድይብ፥ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ኵላቶም፥ ብዘይ ቅፅሪ ዘለዉ፥ መሀርሀርን መዓፁን ዘይብሎም ህዝቢ፥ ሓደጋ ኸውድቐሎም እየ፥ ክትብል ኢኻ። 12ክትማርኽን ክትብዝብዝን፥ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕዚ ሰብ ዝነብረሉ ዘሎ፥ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፥ ካብ ኣህዛብ ዝተኣከበ፥ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፥ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ። 13ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሴስን እቶም ኰራዅር ኣናብሱን፥ ምርኮ ኽትማርኽዶ መፂእኻ? ዘመተ ኽትዘምት፥ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፥ ከፍትን ሃብትን ክትሕዝ፥ ብዙሕ ምርኮ ኽተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም? ክብሉኻ እዮም።”
14ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፦ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ህዝበይ እስራኤል ሃዲኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣይትፈልጦን ዲኻ? 15ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡን፥ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ፥ ካብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመፅእ ኢኻ። 16ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።” 17እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኣቶም ከም ዘምፅአካ፥ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነቢያት እስራኤል ገይረ፥ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን?”
እግዚኣብሄር ንጎግ ከም ዝቐፅዖ
18እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፦ “በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ክፃረረላ ዝመፀላ መዓልቲ፥ መቕሰፍቲ ብመዓተይ ክመፅእ እዩ፤ ይብል ኣሎ። 19ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እዛረብ ኣለኹ፤ ርግፅ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል፥ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ክኸውን እዩ። 20ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን፥ እንስሳ በረኻን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን፥ ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ እምባታት ክግልበጡ፥ ኣኻውሕ ክፈርሱ፥ ኵሉ መናድቕ ከዓ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ። 21ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ እምባታተይ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽፅውዐሉ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ፥ ኣብ ርእሲ ሓዉ ክኸውን እዩ። 22ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ፤ ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን፥ ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣህዛብን፥ ዝናም መሾምበባን በረድን ሓዊን ዲንን ከዝንም እየ። 23በዝ ኸምዙይ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክገሃድ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ከዓ ባዕለይ ክፍለጥ እየ፤ ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 38: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in