ሕዝቅኤል 39
39
ሞት ጎግ
1“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጎግ ተነበየሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፥ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን እኒሀኹ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኻ እየ። 2ክመልሰካ እየ፤ ክኹብኩበካ እየ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ክጐተካ፥ ናብ እምባታት እስራኤል ከዓ ኸእትወካ እየ። 3ንቐስትኻ ኻብታ ፀጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፥ ንፍላፃታትካ ኸዓ ኻብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ። 4ንስኻ፥ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን፥ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክትወድቕ ኢኻሞ፤ ክበልዑኻውን በብዓይነቶም ንዝኾኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ምድርን ክውፍየካ እየ። 5ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ኣብ በረኻ ክትወድቕ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 6ኣብ ማጎግን፥ ናብቶም ኣብ ደሴታት ሃዲኦም ዝነብሩ ዘለዉን፥ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም። 7እቲ ቅዱስ ስመይ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ክረክስ ኣይፈቅድን እየ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
8“እንሆ ኽመፅእ፥ ክኸውን ድማ እዩ፤ እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9“እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ ድማ ኽወፁ እዮም እሞ፥ ንኣፅዋራት ኲናት ከቃፅሉ እዮም፤ ንዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላፃታትን ኣጕማድን ኲናታትንውን ብሓዊ ኸንድድዎ እዮም፤ ሸውዓተ ዓመትውን ብሓዊ ኸንድድዎም እዮም። 10በቲ ኣፅዋር ገይሮም ሓዊ ኽእጕዱ እዮም እሞ፥ ካብ በረኻ ዕንፀይቲ ኣየእትዉን፤ ካብ ዱር ከዓ ኣይቘርፁን እዮም፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፥ ነቶም ዝዘመትዎም ከዓ ኽዘምትዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ቀብሪ ጎግ
11“በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፥ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ ዝበሃል ቦታ መቓብር ክህቦ እየ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸዓ፥ መንገዶም ክዓፅወሎም እዩ፤ ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ክቐብርዎም እዮም፤ ለሰ ሓሞንጎግ ድማ ኽበሃል እዩ። 12ቤት እስራኤል ከዓ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸፅርዩስ፥ ብሸውዓተ ወርሒ ኽቐብርዎም እዮም። 13ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ኽቐብሮም እዩ፤ እዙይውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ፥ ንስም ክኾኖም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 14ምእንቲ ኸፅርዩስ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዝፀንሑ ኽቐብሩ፥ ምስቶም ቀባሮ ኾይኖም፥ ነታ ምድሪ እንተየቋረፁ ዝዞርዋ ሰብኡት ቈፂሮም ከዋፍሩ እዮም። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ እውን ሃለው ክብሉ እዮም። 15እቶም እናዞሩ በታ ምድሪ ዝሓልፉ፥ ሓደ ኻብኣቶም ዓፅሚ ሰብ እንተ ረአየ፥ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሓሞን ጎግ ክሳዕ ዝቐብርዎ፥ መሐበርታ ምልክት ክገብረሉ እዩ። 16ስም እታ ኸተማ ኸዓ ሓሞና ኽበሃል እዩ፤ በዝ ኸምዙይ ነታ ምድሪ ኸፅርይዋ እዮም።”
17“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’ #ራእይ 19፡17-18። 18ስጋ ናይቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፥ ደም ናይቶም ኣሕሉቕ ምድርን ናይ መኻኽትን ማጓሉን ዲበላታትን ኣብዑርን ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም። 19ካብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ፥ ክሳዕ እትፀግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፥ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም። 20ኣብ ሰደቃይ ብኣፍራስን ብፈረሰኛታትን ብሓያላትን ብተዋጋእትን ክትፀግቡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ምምላስ እስራኤል
21“ኣነ ኸዓ ኽብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክገልፅ እየ፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ነቲ ዝፈፀምክዎ ፍርደይን፥ ነታ ኣብ ልዕሊኣቶም ዘንበርክዋ ኢደይን ክሪኡ እዮም። 22ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው፥ ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 23እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ቤት እስራኤል ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም እተማረኹ ኽፈልጡ እዮም፤ ንኣይ ስለ ዝበደሉ፥ ገፀይ ከወልኩሎም፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶምውን ወፈኽዎም፤ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ። 24ከም ርኽሰቶምን ከም መጠን በደሎምን ገበርክዎም፥ ገፀይ ከዓ ኸወልኩሎም።”
25ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ። 26-27ካብ ማእኸል ኣህዛብ ምስ መለስክዎም፥ ካብ ምድሪ ፀላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብኣቶም ምስ ተቐደስኩ፥ ሓደ እኳ ዘፍርሖም ዘይብሎም ኣብ ምድሮም ሃዲኦም ምስ ተቐመጡ፥ ሕፍረቶምን ንኣይ ዝበደሉኒ ዅሉ በደሎምን ክፆሩ እዮም። 28ኣነ ናብ ማእኸል ኣህዛብ ኣማሪኸዮም ነይረ እየሞ፥ ናብ ምድሮምውን ኣኪበዮም እየሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብኣቶም ሓደ እኳ ኣብኡ ኣየትርፍን እየ። 29ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 39: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in