YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 37

37
ኣዕፅምቲ ዝመልአ ለሰ
1ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመንፈስ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ማእኸል እታ ለሰ ድማ ኣንበረኒ፤ ንሳውን ኣዕፅምቲ መሊእዋ ነበረ። 2ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብቲ ዝባን ለሰ የመና ብዙሕ ነበረ፤ እንሆ የመናውን ንቑፅ ነበረ። 3ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶምስ ህያዋንዶ ክኾኑ እዮም? በለኒ” ኣነ ድማ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንስኻ ትፈልጥ” ኢለ መለስኩ።
4ንሱ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ተነበ፦ ኣቱም ንቑፃት ኣዕፅምቲ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካውን ንገሮም በለኒ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም። 6ጅማውቲ ኸንብረልኩም፥ ስጋ ኽገብረልኩም፥ ብቘርበት ክኸድነኩም፥ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
7ከምቲ ዝተአዘዝክዎ ኸዓ ተነበኹ፤ ክንበ እንተለኹ ድማ ድምፂ ኾነ፤ እንሆ ኸዓ ምንቕናቕ ኮነ፤ እቶም ኣዕፅምቲውን ዓፅሚ ምስ ዓፅሙ ተቓራረበ። 8እንሆ ኸዓ ጅማውትን ስጋን ክወፆም ቈርበት ድማ ክኸድኖም ረአኹ፤ እስትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።
9ሽዑ ንሱ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ ንንፋስ ተነበየሉ፤ ንንፋስ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣታ ንፋስ እዞም ቅቱላት ህያዋን ክኾኑስ፥ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ነዓ እሞ፥ ኣብኣቶም ንፈስ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።
10ኣነ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፤ እስትንፋስ ድማ ኣተዎም፤ ህያዋንውን ኮኑ፤ በእጋሮም ከዓ ቖሙ፤ የመና ዓብዪ ጭፍራውን ነበሩ። #ራእይ 11፡11።
11ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። 12ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፤ እንሆ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት እየ፤ ኣቱም ህዝበይ ካብ መቓብራትኩም ድማ ኸውፅአኩም፥ ናብ ምድሪ እስራኤልውን ከእትወኩም እየ። 13ኣቱም ህዝበይ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፥ ካብ መቓብራትኩም ከዓ ምስ ኣውፃእኩኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 14መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምድሪኹም ድማ ኸንብረኩም እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን፥ ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር።”
ይሁዳን እስራኤልን ዘቖማኣ ሓንቲ መንግስቲ
15ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 16“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሓደ በትሪ ውሰድ እሞ ‘ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ፤ ድሕሪኡውን ካልእ በትሪ ‘ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ። 17ሓደ በትሪ ክኸውንስ፥ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፤ ኣብ ኢድካ ኸዓ ሓደ ክኸውን እዩ። 18እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፥ እዝ እትገብሮ ዘለኻ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ሓሳብካዶ ኣይትገልፀልናን ኢኻ? ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፥ 19ንስኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን፥ ነገድ እስራኤል ብፆቱን ዘሎ በትሪ ዮሴፍ ክወስድ፥ ኣብቲ በትሪ ይሁዳ ኸዓ ኽድርቦም፥ ኣብ ኢደይ ሓደ ክኾኑስ፥ ሓደ በትሪ ኽገብሮም እየ።
20“እቲ ዝፀሓፍካሉ በትሪ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ክኸውን እዩ። 21እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፥ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ምድሮምውን ከእትዎም እየ። 22ኣብታ ምድሪ ኣብ እምባታት እስራኤል ከዓ፥ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፤ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኽልተ ህዝቢ ኣይኾኑን፤ ድሕሪዙይውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይምቀሉን እዮም። 23ድሕሪ ደጊም፥ ብቲ ጣዖታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ሓጢኣቶምን ኣይረኽሱን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንፅሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። 24ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም። #ሕዝ. 34፡24። 25ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ። 26ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፤ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ክኾነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ፤ ንመቕደሰይ ከዓ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ከቑሞ እየ። 27ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም። #2 ቆሮ. 6፡16፥ ራእይ 21፡3። 28መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ እቶም ኣህዛብ እቲ ንእስራኤል ዝቕድስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 37: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in