ሕዝቅኤል 35
35
መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኤዶም
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባ ሴይር ኣብል፤ ተነበየሉውን። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ኣታ እምባ ሴይር እኒሀኹ ኣብ ልዕሌኻ እየ፤ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።”
4“ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፤ ንስኻ ድማ ኽትባድም ኢኻ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።”
5“ናይ ሓዋሩ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ፀበባኦምን በቲ ሓጢኣቶም፥ እተፈፀመሉ ጊዜን፤ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፥ 6ስለዙይ ኣነ ህያው እየሞ፥ ንደም ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ክውፍየካውን እየ፤ ደም ከዓ ኸሳጕጐካ እዩ፥ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር፤ ደም ኣይፀላእኻን እሞ፥ ደም ከሳጕጐካ እዩ። 7ንእምባ ሴይር ባዶን በረኻን ክገብሮ፥ ነቲ ብእኡ ዝኸይድን ዝምለስን ድማ ኸፅንቶ እየ። 8ንእምባታቱ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ፤ ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ሩባሩባታትካን፥ ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። 9ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፤ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ክኾና እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
10“እግዚኣብሄር ኣብኣ እንተሎስ፥ ንስኻ እዞም ክልተ ህዝብን፥ እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ክኾኑ፥ ንሕናውን ክንወርሰን ኢና ኢልካ ኢኻ እሞ፥ 11ስለዙይ ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ኸምቲ ቝጥዓኻን፥ ከምቲ ፀሊእኻ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ፤ ምስ ፈረድኩኻ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። 12‘እቲ እምባታት እስራኤል በረኻ ኾይኑ፥ ብልዒ ክኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ዅሉ ፀርፍኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕኽዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። 13ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።” 14-15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ “ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ እንተላ፥ ኣነ ኸባድመካ እየ። ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ እተሓጐስካዮ፥ ከምኡ ኸውርደልካ እየ፤ ኣታ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ኵሉ ኤዶምያስን ኵሉ ብምሉኡ፥ ክትባድሙ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል ኣሎ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: