ሕዝቅኤል 34
34
ጓሶት ህዝቢ እስራኤል
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ ነቶም ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! እቶም ጓሶትስ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኮኑን ዝጓስዩ። 3ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፤ ፀምሪ ትኽደኑ፤ ነቲ ዝሰብሐ ተሓርዱ፤ ነቲ መጓሰ ግና ኣይተውፍሩን። 4ንዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፤ ንዝሓመማ ኣይፈወስኩምን፤ ንዝተሰብረት ኣይፀገንኩምን፤ ንዝተባረረት ኣይመለስኩምን፤ ንዝጠፍአት ኣይደለኹምን፤ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኹምወን። 5ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፤ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኸዓ መብልዕ ኮና፤ ፋሕውን በላ። #ዘሑ. 27፡17፥ 1 ነገ. 22፡17፥ ማቴ. 9፡36፥ ማር. 6፡34። 6ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ እምባታትን፥ ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ተባረራ፥ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፤ ብዛዕባኣተንውን ግዲ ዘለዎን ዝደልየንን የለን።”
7ስለዙይ “ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ 8ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፥ ኣባጊዐይ ከዓ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ መብልዕ ኮይነን፥ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን። ጓሶተይ ድልየት ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፤ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፥ ነባጊዐይስ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፥ 9ስለዙይ ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ 10እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እየ፤ ኣባጊዐይ ከዓ ኻብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፥ ጓስነት ኣባጊዐይ ከሕድጎም እየ፤ ድሕሪዙይ ቀለቦም ከይኾና ድማ፥ ካብ ኣፎም ክምንዝዐን እየ፤ ይብል ኣሎ።”
ሕያዋይ ጓሳ
11ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ፥ ነተን ኣባጊዐይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። 12ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ። 13ካብ ኣህዛብ ከውፅአን፥ ካብ ሃገራት ክእክበን፥ ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን፥ ኣብ እምባታት እስራኤልን፥ ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ፥ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ዅሉ ቦታ እታ ምድርን ክጓስየን እየ። 14ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን። 15ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።
17“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣትን ኣባጊዐይ፥ እንሆ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፥ ኣብ መንጎ ማጓሉን ዲባሉን ክፈርድ እየ። 18ነቲ ዝተረፈ መውፈሪኹም በእጋርኩም እትረግፅዎስ ኣብቲ ልሙዕ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ? ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎኸ፥ እቲ ፅሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ? 19እሞ እተን ኣባጊዐይ፥ እቲ በእጋርኩም እተረግፀዶ ኽበልዓ እየን? እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎኸ ኽሰትያ ድየን?’ ”
20ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን፥ እተን ዕባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ። 21ንዅለን እተን ዝሓመቓ፥ ክሳዕ ሰጒጕኩም ፋሕ እተብልወን፥ ብጐድንን ብማእገርን ስለ ዝጐነፅኩምወን፥ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኹምወን፥ 22ስለዙይ ኣነ ነባጊዐይ ድሕሪዙይ ንዘመተ ኸይውፈያ ኸድሕነን፥ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከዓ ኽፈርድ እየ። 23ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ። 24ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእኸሎም ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። 25ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”
26ኣነ ኸዓ “ንኣኣተን ነቲ ኣብ ዙርያ ዀረብታይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ፤ ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፤ ዝናም በረኸትውን ክኸውን እዩ። 27ኦም በረኻ ፍረኡ ኸፍሪ እዩ፤ ምድሪ እውን በቝላ ኽትህብ እያ። ኣብ ምድሮም ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፥ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከዓ ምስ ኣናገፍክዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 28ድሕሪዙይ ዘመተ ኣህዛብ ኣይኾኑን እዮም። ኣራዊት ምድሪ ኸዓ ኣይበልዕዎምን እዮም፤ አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ዘፍርሖምውን የለን። 29ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም። 30ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም ከም ዝኾንኩ፥ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኽፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
31“ኣቱም ኣባጊዐይ፥ ኣባጊዕ መውፈሪየይ፥ ንስኻትኩም ሰባት ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 34: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: