ሕዝቅኤል 36
36
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክባርኻ እዩ
1ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንእምባታት እስራኤል ተነበየሎም፤ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ ከዓ በሎም። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ፀላኢ ኣሰይ፥ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ኾነ” ኢሉ ብዛዕባኻትኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፥
3ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ “ነቶም ዝተረፉ ኣህዛብ ርስቶም ምእንቲ ኽትኮኑስ፥ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውሒጦምኹምን መመሰሊ ልሳንን መላገፂ ህዝብን ከዓ ዄንኩም ኢኹም እሞ፤ 4ስለዙይ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ ንዝባደመ ዑናታትን፥ ነተን እተሓድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያአን ዝተረፉ ኣህዛብ፥ ንዘመተን ንባጫን ኮይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዙይ ይብል።” 5ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሓጕሶም ብነፍሶም ንዒቖም ዘመተ ኽትከውንስ፥ ነታ ምድረይ እተረስተይዋ ተረፍ ኣህዛብን፥ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ።”
6እምበኣር “ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንሆ ንስኻትኩም ፀርፊ ኣህዛብ ስለ እተሰከምኩም፥ ኣነ ብቕንኣተይን ብቝጥዓይን ተዛረብኩ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ። 7ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፥ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ንሳቶም ነውሮም ክስከሙ እዮም። 8-9ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ። 10ኣባኻትኩምን ንዅላ ብዘላ ቤት እስራኤልን ከዓ ሰብ ከብዝሐላ እየ፤ ከተማታት ሰብ ክሰፍሮ፥ ዑናታት ድማ ኽስራሕ እዩ። 11ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም። 12ንሰብ ህዝበይ እስራኤል ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ፤ ክወርሱኻ እዮም፤ ርስቶም ከዓ ኽትከውን ኢኻ፤ ድሕሪዙይውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይትገብሮምን ኢኻ።
13“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ሰብ በሊዕኺ’ ንህዝብኺ ኸዓ ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ጌርኪዮ ኢኺ ይብሉኺ ኣለዉ እሞ። 14ስለዙይ ድሕሪዙይ ‘ሰብ ኣይትበልዕን’ ንህዝብኺውን ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ኣይትገብርዮን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 15ደጊምስ ፀርፊ ኣህዛብ ኣየስምዐክን እየ። ላግፂ ህዝብታት ኣይትፆርን፤ ድሕሪዙይውን ንህዝብኺ ኣይተዐንቅፍዮምን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
እስራኤል ዝረኸበቶ ሓድሽ ህይወት
16ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 17“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል ኣብ ምድሮም እንተለዉ ብመንገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ፤ መንገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ፅግያት ሰበይቲ ነበረ። 18ሽዑ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝኸዓውዎ ደምን፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዘርከስዋን ቍጥዓይ ኣፍሰስኩሎም። 19ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘሮኽዎም፤ ኣብ ሃገራት ከዓ ፋሕ በሉ ኣነውን ከም መንገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም። 20ብዛዕባኣቶም ከዓ፥ እዚኣቶምስያ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፤ ካብ ምድሩውን ወፂኦም” እናተብሃለ፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በፅሑ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ።
21ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ኣናሕሰኹሉ። 22ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዙይ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣተኹምዎም ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፥ ምእንታኻትኩም ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 23ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝረኸሰ፥ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸዓ፥ እቶም ኣህዛብ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24“ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ። 25ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ። 26ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። #ሕዝ. 11፡19-20። 27ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፥ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፥ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ። 28ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። 29ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ኸናግፈኩም፥ ንእኽሊ ኽፅውዖን ከብዝሖን እየ፤ ድሕሪዙይውን ጥሜት ኣየምፅአልኩምን እየ። 30ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ ፀርፊ ጥሜት ከይትፆሩስ፥ ንፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ። 31ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም። 32ኣቱም ቤት እስራኤል እዙይ ምእንታኻትኩም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፥ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፤ ብሰንኪ መንገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
33እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ዘንፅሀላ መዓልቲ፥ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዝነብረን፥ እቲ ዑናታት ከዓ ኸም ዝስራሕ ክገብር እየ። 34እታ ዝባደመት ምድሪ፥ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፥ ክትሕረስ እያ። 35ሽዑ ኸዓ ‘እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ፥ ከም ገነት ኤደን ኮነት፤ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ፥ ዝተዓረዳን ሰብ ዝነብረለንን ኮና’ ኽበሃል እዩ። 36እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕኹዎ፥ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮ ድማ እየ።”
37እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ። 38ከምተን እተቐደሳ መጓሰ፥ ከምተን ኣብ በዓላታ ዝኾና መጓሰ ኢየሩሳሌም፥ እተን ዝባደማ ኸተማታት፥ ብመጓሰታት ሰብ ክመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 36: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: