YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 3

3
1ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝረኸብካዮ ብላዕ፤ ነታ መፅሓፍ ብልዓያ፤ ኬድኻ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም” በለኒ።
2ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፤ ንሱውን ነታ መፅሓፍ ኣዀለሰኒ፤ 3ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከብድኻ ኣፅግብ፥ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ዝህበካ መፅሓፍ ምልኣዮ” በለኒ፤ ሽዑ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይውን ከም መዓር ጠዐመት። #ራእይ 10፡9-10።
4በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ፤ ቃላተይ ድማ ተዛረቦም። 5-6ናብ ቤት እስራኤል እምበር፥ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዓል፥ ዘረባኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ፥ ናብ ቃላቶም ዘይትርድኦ ህዝብታት ኣይተልኣኽካን፤ ብርግፅ ናብኣቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንስ፥ ምሰምዑኻ ነይሮም። 7ግናኸ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ግምባሮም ተሪር፥ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፥ ቤት እስራኤል ክሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝኾኑ፥ ንኣኻውን ኣይሰምዑኻን እዮም። 8እንሆ፥ ንገፅካ ኣንፃር ገፆም፥ ንግምባርካውን ኣንፃር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ። 9ንግምባርካ ኣልማዝ፥ ካብ ብላድ እምኒ ኸም ዝብርትዕ ገይረዮ እየ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ኣይትፍርሓዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ኣይትደንግፅ።”
10መሊሱውን በለኒ፤ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅሉ እቲ ዝነግረካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ። 11ናብቶም ምሩኻት፥ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፥ ኢልካ ንገሮምን በሎምን።”
12እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዓለኒ፤ ብድሕረይ ድማ፥ “ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኹ። 13ኣነ ኸዓ ህማም እቲ ንስንሳቱ ዝጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን፥ ድምፂ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዅርን፥ ድምፂ እቲ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኹ። 14እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት። 15ናብቶም ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር፥ ኣብ ቴል ኣቢብ ዝነበሩ ምሩኻት ከዓ መፃእኹ። ኣብኡውን እናስቈርቈርኩ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ማእኸሎም ተቐመጥኩ።
16ኮነ ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 17“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። 18ኣነ ነቲ ሓጢኣተኛ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ፥ ምስ በልክዎ፥ እንተ ዘየጠንቀቕካዮ፥ ካብ መንገዲ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፥ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘየጠንቀቕካዮን፥ እቲ ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። 19ግናኸ ነቲ ሓጢኣተኛ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱን ካብ መንገዲ ሓጢኣቱን እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ።
20“ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ መዐንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ ኽመውት እዩ፤ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ ብሓጢኣቱ ኽመውት፥ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ድማ ኣይዝከርን እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። 21ንስኻ ግና፥ እቲ ፃድቕ ሓጢኣት ከይገብር እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ብሓቂ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።”
22ኣብኡውን ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ “ተስእ ናብ ጐልጐል ውፃእ፤ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ” በለኒ።
23ሽዑ ተሲአ ናብ ጐልጐል ወፃእኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ኽብሪ፥ ኣብኡ ቖይሙ ነበረ፤ ብገፀይውን ወደቕኩ። 24እቲ መንፈስ ከዓ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ እሞ፥ “ኪድ ኣብ ቤትካ ተዓፆ” ኢሉ ተዛረበኒ። 25“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ መእሰሪ ኽገብሩልካን ክኣስሩኻን እዮም፤ ካብ ማእኸሎም ድማ ኣይትወፅእን ኢኻ። 26ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽትዕበስን፥ ዘላፊኦም ከይትኸውንስ፥ ልሳንካ ኣብ ታሕናግካ ኸጣብቕ እየ። 27እንትዛረበካ ግና፥ ንኣፍካ ክኸፍቶ እየ፤ ንስኻውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ክትብሎም ኢኻ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ዝሰምዕ ይስማዕ፤ ዝኣቢውን ይእበ።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in