YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 2

2
እግዚኣብሄር ንሕዝቅኤል፥ ነቢይ ክኸውን ከም ዝፀውዖ
1ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ” በለኒ።
2ክዛረበኒ እንተሎ ኸዓ፥ መንፈስ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፤ ነቲ ዝዛረበኒውን ሰማዕኽዎ። 3በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ። 4ናብ እዞም ገፆም ዝተረረ፥ ልቦም ዝሓረነ ደቂ እሰደካ ኣለኹ፤ ንስኻ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ” በሎም። 5“ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ኸም ዘሎ ኽፈልጡ እዮም።
6“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሓዮም፤ ንቓላቶምውን ኣይትፍርሓዮ፤ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ኾንካ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ እንተለኻስ፥ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ንቓላቶም ኣይትፍርሓዮ፤ ገፆምውን ኣየደንግፅካ። 7ዓለውቲ እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ቃለይስ ንገሮም ደኣ።
8“ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ፤ ከምታ ዓማፂት ቤት፥ ዓማፂ ኣይትኹን፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ ድማ ብልዓዮ።” 9ጠመትኩ እሞ፥ እንሆ፥ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ ነበረት፤ እንሆ፥ ኣብኣ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ነበረት። 10ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ዘርግሓ፤ ብውሽጣን ብደገኣን ተፅሒፍዋ ነበረ፤ ኣብኣ ኸዓ ቝዘማን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ተፅሒፍዋ ነበረ። #ራእይ 5፡1።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in