1
ሕዝቅኤል 3:18
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣነ ነቲ ሓጢኣተኛ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ፥ ምስ በልክዎ፥ እንተ ዘየጠንቀቕካዮ፥ ካብ መንገዲ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፥ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘየጠንቀቕካዮን፥ እቲ ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
Compare
Explore ሕዝቅኤል 3:18
2
ሕዝቅኤል 3:19
ግናኸ ነቲ ሓጢኣተኛ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱን ካብ መንገዲ ሓጢኣቱን እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ።
Explore ሕዝቅኤል 3:19
3
ሕዝቅኤል 3:17
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
Explore ሕዝቅኤል 3:17
4
ሕዝቅኤል 3:20
“ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ መዐንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ ኽመውት እዩ፤ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ ብሓጢኣቱ ኽመውት፥ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ድማ ኣይዝከርን እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
Explore ሕዝቅኤል 3:20
Home
Bible
Plans
Videos