YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 27

27
ኣብ ዕንወት ጢሮስ ዝተገብረ መልቀስ
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ። 3ንጢሮስ በላ፤ ‘ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፥ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ኣህዛብ ከዓ እትነግዲ፥’ ኸምዙይ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፦
‘ኣቲ ጢሮስ ባዕልኺ ብመልክዕ፥ ፍፅምቲ ኣነ እየ በልኪ።’
4ወሰንኪ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እዩ፤ እቶም ሃነፅትኺ ነቲ መልክዕኺ ፈፀምዎ።
5ንጎቦታትኪ ብፅሕዲ ሰኒር ሰርሕዎ፤ ደቐል መራኽብ ክገብሩልኪ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ።
6መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፤ ኮፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሸሊሞም በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመፀ ኣእዋም ገበሩ።
7እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ።
8ኣቲ ጢሮስ፥ እቶም ዝቐዝፉልኪ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፤ እቶም ኣባኪ ዘለዉ ጠቢባንኪ፥ መራሕቲ መራኽብኪ ኾኑ።
9እቶም ሽማግለታት ጌባልን እቶም ጠቢባንን፥ ነቲ እተሰብረ ዘዐርዩ ኣብ ማእኸልኪ ነበሩ፤ ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን ንግዶም ክለዋወጡኺ ኣባኺ ነበሩ።”
10“ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ፤ ዋላቱን ቍራዕ ርእስንውን ሰቐሉልኪ፤ ንሳቶም ገይፂ ሃቡኺ። 11ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቕፅርኺ፥ ሰብ ገማድያ ኸዓ ኣብ ግንብታትኪ ነበሩ፤ ዋላቱኦም ኣብ ወሰና ወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፤ ንመልክዕኺ ፈፀምዎ።”
12“ተርሴስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ፥ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፤ ብብሩርን ሓፂንን ቆርቆሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ። 13ያዋንን ቶቤልን ሞሳሕን ነጋዶኺ ነበሩ፤ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምፅኡ። 14ካብ ቤት ቴርጋማ በፍራስን በፍራስ ውግእን ብበቕልታትን ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ። 15ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፤ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነጊዶም ኣመሓላለፉ፤ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከዓ ገፀ በረኸት ኣምፅኡልኪ። 16ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፤ ብኽቡር ዕንቍን ብቀይሕ ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባን፥ ብዛዕጐልን ብሮቢኖስን፥ ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ። 17ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፤ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመፀ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ። 18ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን፥ ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝኾነ ሃብትን ብወይንን ብኬልቦንን ብፀምርን መናግድኺ ነበረት። 19ዌንዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓፂንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ። 20ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ንግዳ ገበረት። 21ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ፤ ምሳኺ ኽነግዱ ጥቦታትን ማጓሉን ኣጣልን ኣምፅኡ። 22እቶም ነጋዶ ሳባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ፤ ብብሉፅ ቀመምን ብኽቡር ኣእማንን ብወርቅን ይነግዱ ነበሩ። 23ካራንን ካኔን ኤዶንን ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ። 24ብብሉፅ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀ ዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፥ ብኦም ሊባኖስ ዝተገብረን፥ በግማድ እተኣስረን ክቡር ዓለባ ዝመልአ ሳፁን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። 25መራኽብ ተርሴስ ከዓ ቃፍላይ ንግድኺ ነበሩ።
ተመሊእኺ ነበርኪሞ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ የመና ኸበርኪ።
26እቶም ዝቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፤ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።
27ሃብትኽን መናገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን መራሕቲ መራኽብክን መዐረይቲ ስቡርክን ነጋዶኽን፥ ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእኽን፥ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽወድቁ እዮም።
28ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራኽብኪ ዝተልዓለ፥ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ክብሉ እዮም።
29ኵላቶም ብመቕዘፍ ዝቐዝፉን ባሕረኛታትን፥ ኵላቶም መራሕቲ መራኽብን፥ ካብ መራኽቦም ክወርዱ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኽቖሙ እዮም።
30ብዛዕባኺ ድምፆም ከስምዑ፥ ኣምሪሮም ድማ ኽበኽዩልኪ እዮም፤ ኣብ ርእሶም ሓመድ ክንስንሱ፥ ኣብ ሓመዅሽቲውን ጠንቀላዕላዕ ክብሉ እዮም።
31ርእሶም ክላፅዩልኪ፥ ከሊ ኽዕጠቑልኪ፥ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ክበኽዩልኪ እዮም።
32እናሕቘንቈኑ ብቝዘማ፥ ‘ኸምታ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ስቕ ዘበልዋ፥ ከም ጢሮስ መን ነበረት?’ ኢሎም ክቝዝሙልኪ እዮም።
33ኣቑሑ ንግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወፀ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣፅገብክዮም፤ በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ንግድኽን፥ ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም።
34በታ ኣብ ባሕሪ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት እተሰበርክላ ጊዜ፥ ንግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእኸልኪ ወደቐ።
35እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኽስክሑ፥ ነገስታቶም ከዓ ኽርዕዱ እዮም፤ ገፆምውን ክኽፋእ እዩ።
36እቶም ነጋዶ ህዝብታት ክፋፅዩልኪ እዮም፤ መሰክሒ ዄንኪ ንዘለኣለም ኣይትህልውን ኢኺ።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 27: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in