ሕዝቅኤል 26
26
ትንቢት ኣንፃር ህዝቢ ጢሮስ
1ኮነ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ #ኢሳ. 23፡1-18፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡9-10፥ ዘካ. 9፡1-4፥ ማቴ. 11፡21-22፥ ሉቃ. 10፡13-14። 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥
3“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቲ ጢሮስ ኣንፃርኪ እየ፤ ከምቲ ንባሕሪ ማዕበል ዘልዕለሉ፥ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተስአልኪ እየ። 4ንቕፅርታት ጢሮስ ከጥፍእዎ፥ ንግምብታታ ኸዓ ኸፍርስዎ፥ ሓመዳ ኽፀርገላ፥ ልምፅምፅ ዝብል ኰዅሒ ኽገብራ እየ። 5ንሳ ኣብ ማእኸል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ፤ ኣነ ተዛሪበ እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ንህዝብታት ብዝበዛ ኽትከውን እያ። 6እተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልዳ ኸዓ፥ ብሰይፊ ኽቕተላ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።”
7እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፥ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን፥ ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን፥ ብዙሕ ህዝብን፥ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምፅኦ እየ። 8ነተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልድ ደቅኺ፥ ብሰይፊ ኽቐትለን ዕርዲ ኽዕርደልኪ፥ ሓመድ ክዅምረልኪ፥ ዋልታታት ከልዕለልኪ እዩ። 9ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቅፅርኺ ኣቢሉ ኽተኽሎ እዩ፤ ብመሳርሒኡ ኸዓ ንግንብታትኪ ኸፍርሶ እዩ። 10ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ ዝተልዓለ፥ ኣቦራ ኸጐልብበኪ እዩ፤ ብፍሩስ ቅፅሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፥ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኽአቱ እንተሎ፥ ህዱድ ብምባል ብፈረሰኛታቱን ብመንኰራዅሩን ብሰረገላታቱን፥ ቅፅርታትኪ ኽናወፅ እዩ። 11ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኽረግፆ፥ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኽቐትሎም፥ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ፥ ኣብ ምድሪ ፃሕ ክብል እዩ። 12ንመዛግባትኺ ኽብዝብዙ፥ ነቓሑ ንግድኪ ኽዘምቱ፥ ንመናድቕኪ ኸፍርሱ፥ ነቲ ብሉፅ ኣባይትኺ ኸፍርሱ፥ ነእማንክን ኣዕፃውክን ሓመድክን፥ ኣብ ማእኸል ማይ ክድርብዩዎ እዮም። 13ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ። #ራእይ 18፡22። 14ልሙፅ ኰዅሒ ኽገብረኪ እየ፤ መስጥሒ መርበብ ክትኮኒ ኢኺ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብኩ እሞ፥ ከም ብሓድሽ ኣይትስርሕን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ “ብሕማም ምውዳቕኪ፥ እቶም ውፁዓት ውጉኣት ክቕንዘዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸልኪ ክቕተሉ እንተለዉ፥ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይሕዘንን እዩ? 16ሽዑ ዅላቶም ኣሕሉቕ ባሕሪ፥ ካብ ዝፋናቶም ክወርዱ፥ ባርኖሶም ክቕንጥጡ፥ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፥ ስምባደ ክኽደኑ፥ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፥ ብኣኺውን ክስክሑ እዮም። #ራእይ 18፡9-10።
17-18“ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፥ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፥ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዝነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ፥ ንዅሉ ሰብ መፍርሒት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፥ ከመይ ኢልኪ ኾን ጠፋእኪ? ‘ሕዚ እተን ደሴታት፥ በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኸንቀጥቅጣ፥ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ ብመወዳእታኺ ኽስምብዳ እየን’ ኢሎም መልቀስ ከልቅሱልኪ እዮም።” 19እግዚኣብሄር ኣምላኽስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምተን ሓደ እኳ ዝነብረን ዘይብለን ከተማታት ገይረ፥ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፥ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፥ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፥ 20ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ። 21መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፥ ኣይትህልውን ኢኺ፤ ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፥ ከቶ ንዘለኣለም ኣይትርከብን ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። #ራእይ 18፡21።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 26: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in