ሕዝቅኤል 23
23
ክልተ ሓጥኣን ኣሓት
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ ኽልተ ኣንስቲ ነበራ። 3እዚኣተን ኣብ ግብፂ ኣመንዘራ። ገና ኣጓላት እንተለዋ ኣመንዘራ ኣጥባተን ዘቐቐ፤ ኣጥባት ድንግልናአን ኣብኡ ተዳህሰሰ። 4ስማተን ከዓ እታ ዓባይ ኦሆላ፥ እታ ሓፍታ ድማ ኦሆሊባ፥ ይበሃላ ነበራ፤ ናተይ ኮና፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳ፤ ስማተን ከዓ ኦሆላ ሰማርያ እያ፤ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ። 5ኦሆላ ኸዓ ናተይ እንተላስ ዘመወት፤ ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ኾነ። 6ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸደኑ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶምውን መልክዐኛታት ኣጓብዝ፥ ኣብ ኣፍራስ ዝቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ። 7ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከዓ ኣመንዘረት፤ ፍትወት ኣብ ዝተልዓላ ድማ፥ ምስ ኵሎም ጣዖታቶም ረኸሰት። 8ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን። 9ስለዙይ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፥ ብፍትወት ምስኣቶም ነዲዳ ዝነበረት፥ ናብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር ሃብክዋ። 10ንሳቶም ከዓ ዕርቃና ቐልዑ፤ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፤ ንኣኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈሪዱ እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ኣንስቲ መመሰሊት ኮነት።
11“ኦሆሊባ ሓፍታ ኸዓ እዙይ ረአየት፤ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፤ ምንዝርናኣ ድማ ኻብ ምንዝርና ሓፍታ በዝሐ። 12ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር ኣሕሉቕን ሹመኛታትን፥ ዘሐብን ክዳውንቲ እተኸደኑ፥ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት ኵሎም መልክዐኛታት ኣጓብዝ ብፍትወት ነደደት። 13ንሳውን ከም ዝረኸሰት ረአኹ፤ ክልቲአንውን ሓደ መንገዲ ኸዳ።”
14-15ንሳ ግና “ብምንዝርናኣ ሕልፍ በለት፤ ኣብ መንደቕ ከዓ ስእሊ ሰብኡት ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተስኢሉ፥ ቅናት ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፥ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸዓ ኣብ ርእሶም ገይሮም፥ ኵላቶም መኳንንቲ ኣብታ እተወለዱላ ሃገር ከለዳውያን፥ ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዝመስሉ ረአየት። 16በዒንታ ምስ ረአየቶም ኣብኣቶም ብፍትወት ነደደት፤ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም። 17ደቂ ባቢሎን ከዓ ናብኣ መፂኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፤ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ፤ ብኣኣቶም ምስ ረኸሰት፥ ነፍሳ ኻብኣቶም ኣግለሰት። 18ዝሙታ ምስ ገለፀት፥ ዕርቃና ምስ ቀልዐት፥ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓፍታ ዘግለሰት፥ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት። 19ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘመንዘረቶ ዘኪራ፥ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት። 20ከም ናይ ኣድጊ ስጋ ዝስጋኦም፥ ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዘርኦም ብኣኣቶም ብፍትወት ነደደት። 21ከምኡ እቶም ግብፃውያን፥ ኣጥባት ጐርዞነት እንተለኪ ዝዳህሰሱኺ፥ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እታ ንእሽተይ
22ስለዙይ “ኣቲ ኦሆሊባ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ፥ ከተስአልኪ እየ፤ ክፃረሩኺ ኸዓ ኻብ ኵሉ ወገን ከምፅኦም እየ። 23ንዅሎም ባቢሎናውያንን፥ ከለዳውያንን ፋቁፅን ሲሔ ቆዓን፥ ምስኣቶም ከዓ ዅሎም ኣሶራውያንን፥ መልክዐኛታት ኣጓብዝ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ኣሕሉቕን ውሩያትን፥ 24ንሳቶም ኣፅዋርን ሰረገላታትን መንኰራኵርን ሒዞም፥ ምስ ብዙሕ ጉባኤ ኣህዛብ ክፃረሩኺ ኽመፁ እዮም፤ ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም፥ ብዙርያኺ ኽቃወሙኺ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ፍርዲ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ክፈርዱኺ እዮም። 25ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመዓት ክወቕዑኺ እዮም፤ ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ክቘርፁ እዮም፤ እቲ ኻባኺ ዝተርፍ ድማ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነወዳትክን ነዋልድክን ክማርኽዎም፥ እቲ ኻባኺ ዝተርፍውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። 26ክዳውንትኺ ኽቕንጥጡኺ፥ ክቡር ሽልማትኪ ኽወስዱልኪ እዮም። 27ኣዒንትኺ ናብኣቶም ቈላሕ ከይተብሊን ድሕሪዙይ ከዓ ግብፂ ኸይትዝክሪን፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።”
28እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ናብ ኢድ እቶም እትፀልእዮም ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፥ 29ብፅልኢ ኽካየዱኺ፥ ኵሉ ፃማ ድኻምኪ ኽወስዱልኪ፥ ዕርቕትን ንበይንኽን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም፤ ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ክግለፅ እዩ። 30ምስ ኣህዛብ ስለ ዝመንዘርኪ፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዝረኸስኪ፥ እዝ ነገር እዙይ ክወርደኪ እዩ። 31ብመንገዲ ሓፍትኺ ኸድኪ፤ ስለዙይ ከዓ ኣነ ነታ ፅዋዕ፥ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።”
32እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝኾነት ፅዋዕ ሓፍትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ፤ ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ፥ መስሓቕን መላገፅን ክትኮኒ ኢኺ።”
33“እታ ፅዋዕ ሓፍትኺ ሰማርያ፥ ፅዋዕ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፥ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ። 34ኣነ እየ እተዛረብኩ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፥ ክትሰትዪያን ክትጭልጥያን፥ ገልዑ ኸዓ ኽትነኽስን፥ ኣፍ ልብኺ ድማ ኽትስንጥቕን ኢኺ።” 35ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ ረሲዕኽኒ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፥ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ፁሪ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኽልቲአን ኣሓት
36እግዚኣብሄር ከዓ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ? እምበኣር በደለን ንገረን። 37ዘምየን እየን እሞ፥ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፤ ምስ ጣዖታተን ዘምየን፥ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፥ ሓዊ ኽበልዖም ብእኡ ኣሕለፋኦም። 38ኣብ ርእሲኡውን እዙይ ገበራኒ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣርከሳ፤ ሰናብተይ ከዓ ሰዓራ። 39ንደቀን ንጣዖታተን ምስ ሓረዳኦም፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸርክሳኣ ናብ መቕደሰይ መፃ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ማእኸል ቤተይ ከምዙይ ገበራ።”
40ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ “ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ ሰብኡት ለኣኻሎም፤ ልኡኽ ተልኣኮም፤ እንሆውን መፁ፤ ንስኺውን ተሓፀብክሎም፤ ኣዒንትኺ ተዅሓልክሎም፤ ብሽልማትውን ተሸለምክሎም። 41ኣብ ፅቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ። 42ኣብኣ ድምፂ ሕጉሳት ሰባት ነበረ፤ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ድማ፥ ሰካራማት ካብ ምድረ በዳ መፁ፤ ንሳቶም ከዓ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፥ ዕፁብ ዘውዲውን ኣብ ኣራእሰን ገበሩ። 43ሽዑ ኣነ ‘ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝአረገት ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ’ በልኩ። 44ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዝኣትዉ ናብኣ ኣተዉ፤ ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ። 45ፃድቃን ሰባት ከዓ፥ ዘመውቲ ስለ ዝኾና፥ ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፥ ከምቲ ንዘመውቲ፥ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዝፍረደን ገይሮም ክፈርድወን እዮም።”
46ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጉባኤ ህዝቢ ኸውፅአለን እየ እሞ፥ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ። 47ጉባኤ ኸዓ ብእምኒ ወቒዖም ክቐትልወን፥ በስይፍቶም ክቘራርፅወን፥ ነወዳተንን ነዋልደንን ክቐትልዎም፥ ኣባይተንውን ብሓዊ ኸንድዱ እዮም። 48ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከይገብራ ምእንቲ ኽመዓዳስ፥ ንምንዝርና ኻብታ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ። 49ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ከንብሩልክን እዮም፤ ሓጢኣት ጣዖታትክን ድማ ኽትፆራ ኢኽን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጣ ኢኽን።”
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: