ሕዝቅኤል 22
22
ገበን ኢየሩሳሌም
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ? እምበኣርከስ ኵሉ ርኽሰታ ኣፍልጣ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎውን በል፤ ጊዜኺ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ኣብ ማእኸላ ደም እተፍስሲ፥ ንርእስኺ ኽተርክሲ ኸዓ ጣዖታት እትገብሪ ኸተማ፥ 4በቲ ዘፍሰስክዮ ደም በደልኪ፤ በቲ ዝገበርክዮ ጣዖታት ድማ ረኸስኪ፤ መዓልቲታትኪ ኣቕረብኪ፤ ዓመታትኪውን ኣሕፀርኪ፤ ስለዙይ ንኣህዛብ መፃረፊ፥ ንዅሉ ሃገራት ከዓ መላገፂ ገበርኩኺ። 5ኣቲ ርኹስ ዝወረኺ ዕግርግር ዝመልአኪ፥ ዝቐረቡኽን ዝረሓቑኽን ከላግፁልኪ እዮም። 6እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ። 7ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ። #ዘፀ. 20፡12፥ 22፡21-22፥ ዘዳ. 5፡16፥ 24፡17። 8ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዓቕኪ፤ ንሰናብተይ ኣርከስኪ። #ዘሌ. 19፡30፥ 26፡2። 9ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ። 10ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ቐልዑ፤ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም ፅገኣ ኣዋረዱ። #ዘሌ. 18፡7-20። 11ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ርኽሰት ገበረ፤ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፤ ሓደ ኻሊእውን ኣባኺ ንሓፍቱ፥ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ። 12ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13“እንሆ እምበኣር በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕኽዮን፥ በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን፥ ኢደይ ኣጣቓዕኹ። 14በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ፥ ልብኽዶ ኽቐውም እዩ? ወይ ኣእዳውኪ ኽፀንዓ ድየን? ኣነ እግዚኣብሄር እየ፥ ዝተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ። 15ኣነ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብለኪ፥ ናብ ሃገራት ከዓ ኽብትነኪ፥ ንርኽሰትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ። 16ብሰንኪ ርእስኺ ኣብ ቕድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጢ ኢኺ።”
ዘፅሪ እቶን እግዚኣብሄር
17ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 18“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ቤት እስራኤል ሓተላ ኾኑኒ፤ ኣብ ማእኸል እቶን ከዓ፥ ኵላቶም ነሃስን ቈርቆሮን ሓፂንን ዓረርን እዮም፤ ሓተላ ብሩርውን ኮኑ። 19ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵልኻትኩም ሓተላ ኢኹም እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ክእክበኩም እየ። 20ከምቲ ኽመክኽ ኢሎም፥ ሓዊ ምእንቲ ኽነፍሑሉ ንብሩርን ነሃስን ሓፂንን ዓረርን ቈርቆሮን፥ ኣብ ማእኸል እቶን ዝእክብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ብቝጥዓይን ብመዓተይን ክእክበኩምን፥ ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ። 21ክእክበኩም፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኽነፍሐልኩም እየ፤ ኣብ ማእኸላውን ክትመኩ ኢኹም። 22ከምቲ ብሩር ኣብ ማእኸል እቶን ዝመክኽ፥ ከምኡ ኣብ ማእኸላ ኽትመኩ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።” #ዘፀ. 22፡25፥ 23፡8፥ ዘሌ. 25፡36-37፥ ዘዳ. 16፡19፥ 23፡19።
ሓጢኣት መራሕቲ እስራኤል
23ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 24“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣ፥ ንስኺ ዘይፀረኺ፥ ብመዓልቲ ቝጥዓውን ዝናም ዘይዘነመኪ ምድሪ ኢኺ ኢልካ ንገራ። 25ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነቢያታ ተማሓሒሎም ኣለዉ፤ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዝጓዝም ኣንበሳ፥ ነፍሳት ወሓጡ፤ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፤ ኣብ ማእኸላውን መበለታት ኣብዝሑ። 26ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ። #ዘሌ. 10፡10። 27ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም። 28ነቢያታ ከንቱነት እናረአዩ፥ ሓሰት እናጠንቈሉሎም እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ እናበሉ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ለቕለቑሎም። 29እቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ዓመፀ፤ ከተረ፤ ንሽጉርን ንድኻን ገፍዖ፤ ንመፃእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቖ። 30ኣነ ኸየጥፍኣስ፥ ነቲ ቕፅሪ ዝፅግን፥ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ዝፈረሰ ዝቐውም፥ ኣብ ማእኸሎም ሓደ ሰብኣይ ደለኹ፤ ግናኸ፥ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 31ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: