ሕዝቅኤል 24
24
ዝመረተ ኣረጊት ድስቲ
1ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ፀሓፍ፤ ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም ቀረበ። 3ነቶም ከዳዕ ቤት፥ ምስላ ንገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ድስቲ ሰኽትት፤ ሰኽትቶ ማይ ድማ ግበረሉ።
4ምታሩ ዅሉ ፅቡቕ ምታር ዘበለ እግርን ክሳድን ናብኡ ኣክቦ፤ በቲ ሕሩይ ዓፅሚውን ምልኣዮ።
5ካብቲ መጓሰ ኸዓ ዝተመረፀ ውሰድ፤ ነቲ ዓፅሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕፅምቲ ምእንቲ ኽበስል ኣፀቢቕካ ኣፍልሓዮ።”
6ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፥ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ነቲ ጉማድ ብጉማዱ ኣውፅኣዮ፤ ዕፃ ኣይወደቖን። 7ደማ ኣብ ማእኸላ እዩ እሞ፥ ኣብቲ ልሙፅ ኰዅሒ ሓደገቶ፤ ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን። 8ንምልዕዓል ቍጥዓን ንምፍዳይ ሕነን፥ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይኽወል ኣብ ልሙፅ ኰዅሒ ኣፍሰስክዎ።”
9ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነውን ብርቱዕ መጋርያ ኽእጕድ እየ እሞ፥ ነታ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! 10ኣዕፃው ኰምር፤ ሓዊ ኣጕድ፤ ነቲ ስጋ ኣፀቢቕካ ኣብስሎ፤ ነቲ መረቕ ኣፍልሓዮ፤ ነቲ ኣዕፅምቲ ኸዓ ኣቃፅሎ። 11ምእንቲ ኽውዕን፥ እቲ ነሃስ ድማ ኽረስንን፥ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዝዕገት ክመክኽን እቲ ምምራቱ ኸዓ ኽጠፍእንስ፥ ጥራሑ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ። 12ፃዕራ ኸንቱ እዩ፤ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፥ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ። 13ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ። 14ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብክዎ፤ ክኸውን እዩ፤ ክገብሮ ድማ እየ፤ ንድሕሪት ኣይምለስን፤ ኣይምሕርን፤ ኣይናሳሕን ድማ እየ፤ ከም መንገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሞት ሰበይቲ ነቢይ ሕዝቅኤል
15ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 16“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ድልየት ኣዒንትኻ ብመቕሰፍቲ ኽምንጥለልካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፤ ኣይትብከ፤ ኣይትንባዕውን። 17ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።”
18ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፤ ንምሽቱ ኸዓ ሰበይተይ ሞተት፤ ንፅባሒቱ ድማ ኸምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። 19እቲ ህዝቢ እውን “እቲ እትገብሮ ዘለኻስ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ነኣና ኣይትገልፀልናን ኢኻ?” በለኒ።
20-21ኣነ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ ኢለ መለስኩሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ‘እንሆ እታ ሓበን ሓይልኹም፥ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፥ እታ ናፍቖት ነፍስኹም ቤተ መቕደሰይ ከርክሳ እየ፤ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። 22ንስኻትኩም ከዓ ኸምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም፤ ከናፍርኩም ኣይትኸድኑን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትበልዑን። 23መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ፤ ዋይ ዋይ ኣይትብሉን፤ ኣይትበኽዩን ከዓ ኢኹም፤ ግናኸ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክትማስኑ፥ ነንሓድሕድኩም ከዓ እህህ ክትብሉ ኢኹም። 24ሕዝቅኤል ከዓ ኣርኣያ ክኾነልኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም’ እዙይ ምስ መፀ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
25“ኣታ ወዲ ሰብ፥ በታ ንሓይሎም ንሓጐስ ክብረቶም ንተድላ ኣዒንቶም ንናፍቖት ልቦምን ንኣወዳትን ንኣዋልድን ደቆም ካብኣቶም ዝወስደላ መዓልቲ፥ 26በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ፥ ኣብ እዝንኻ ኸስምዐካ ኽመፀካ እዩ። 27በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መፀ፥ ኣፍካ ክኽፈት እዩ፤ ክትዛረብ፥ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይትኸውንን ኢኻ፤ ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኮኖም ኢኻ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: