YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 1

1
ሕዝቅኤል ንመጀመርታ ጊዜ ራእይ እግዚኣብሄር ከም ዝተርአዮ
(1፡1—7፡27)
ዙፋን እግዚኣብሄር
1ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄርውን ረአኹ። #ራእይ 19፡11። 2ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ፥ ካብቲ ንጉስ ኢኮንያን ዝተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ፥ #2 ነገ. 24፡10-16፥ 2 ዜና. 36፡9-10። 3ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት።
4እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ። 5ካብቲ ማእኸሉ ኸዓ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ ወፀ፤ ትርኢቶም ድማ እዙይ እዩ፤ ሰብ ይመስሉ ነበሩ። #ራእይ 4፡6። 6ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም፤ ንነፍሲ ወከፎምውን፥ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮም። 7ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ። 8በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም። 9ኣኽናፎም ንስንሳተን ዝተተሓሓዛ ነበራ፤ ክኸዱ እንተለዉ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
10ምስሊ ገፆም ገፅ ሰብ ይመስል፤ ኣርባዕቲኦም ከዓ በቲ የማናይ ወገኖም ገፅ ኣንበሳ፥ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ፀጋማይ ወገኖም ገፅ ብዕራይ፥ ኣርባዕቲኦምውን ገፅ ንስሪ ነበሮም። #ሕዝ. 10፡14፥ ራእይ 4፡7። 11ኣኽናፎምውን ብላዕሊ ተዘርጊሑ ነበረ፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፥ እታ ሓንቲ ምስቲ ናይቲ ሓደ እትላገብ፥ እተን ክልተ ድማ ኣካሎም ዝኸድና እየን። 12ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፤ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፤ ክኸዱ እንተለዉ ድማ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ።
13ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓዊን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንፀባርቕን ነበረ፤ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወፅእ ነበረ። 14እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።
15ነቶም እንስሳ ኽጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገፆም ረአኹዎም። #ሕዝ. 10፡9-13። 16ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። 17ክኸዱ እንተለዉ፥ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፤ እንትኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። 18ቁመቶምውን ነዊሕን መፍርሕን ነበረ፤ ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ዙርያ ኹለንተናኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። #ራእይ 4፡8። 19እቶም እንስሳ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ልዕል ልዕል ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቃኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። 20ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፤ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ነበረ እሞ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ። 21መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፥ ንሳቶም ክኸዱ እንተለዉ፥ ይኸይድ፤ ንሳቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።
22ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም ግሩም ዝኾነ ክሪስታል፥ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፥ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ። #ራእይ 4፡6። 23ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፉ፥ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ኣካሎም ዝኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም። 24ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። 25ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ተሰምዐ፤ ደው ክብሉ እንተለዉውን ኣኽናፎም ትሕት የብሉ። #ራእይ 1፡15፥ 19፡6።
26ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ። #ሕዝ. 10፡1፥ ራእይ 4፡2-3። 27ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንላዕሊ፥ ርሱን ወርቂ ዝሕብሩ፥ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዙርያኡን ረአኹ፤ ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸዓ ኸም ሓዊ ዝትርኢቱ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያኡውን ፃዕዳ ነበረ። #ሕዝ. 8፡2። 28ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in