YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 19

19
መልቀስ
1ንስኻ ኸዓ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፤ በል ድማ፦
2እኖኻ እንታይ ነበረት? ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት፤
ኣብ ማእኸል ኣናብስውን ተጋደመት፤
ኣብ ማእኸል ሽደናት ኣናብስ ንዀራዅራ ኣዕበየቶም።
3ንሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፤
ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤
ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።
4ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፤
ኣብ ጕድጓዶም ከዓ ተትሓዘ፤
ብሰንሰለት ገይሮም ናብ ሃገር ግብፂ ወሰድዎ።
5ትፅቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረአየት፥
ተስፋ ኸዓ ምስ ቀበፀት፥
ካብ ኰራዅራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፥
ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።
6ኣብ ማእኸል ኣናብስ ተመላለሰ፤
ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤
ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።
7ንኣዳራሻቶም ኣፍረሰ፤ ንከተማታቶም ኣዕነወ፤
ኢር ኢሉ ምስ ጓዘመ፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።
8ሽዑ ኻብቲ ኣብ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ኣህዛብ ተኣከቡ፤
መርበቦም ዘርግሑሉ፤ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተትሓዘ።
9ብሰንሰለት ኣሲሮም ኣብ ቆፎ ኣእተውዎ፤
ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ፤
ድምፁ ኣብ እምባታት እስራኤል ድሕሪዙይ ከይስማዕ፥
ኣብ ፅኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።
10እኖኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት፤
ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት።
11ንበትሪ መንግስቲ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውፅአት፤
ጕንዳ ኣብ ማእኸል ፅቡቕ ኣቝፅልቲ ነውሐ፤
ነዋሕን ሃረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፥ እትረአ ኾነት።
12ግናኸ ብቝጥዓ ተበቈሰት፤
ኣብ ምድሪ ኸዓ ተደርበየት፤
ንፋስ ምብራቕ ድማ ንፍሪኣ ኣንቀፆ፤
ድልዱል ጨናፍራ ተሰባቢሩ ነቐፀ፤
ሓዊውን በልዖ።
13ሕዚ ኣብ ምድረ በዳ፥
ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ።
14ካብ ጨናፍር ሓረጋ፥ ሓዊ ወፀ፤
ንፍሪኣ ኸዓ ሞዅ ኣበሎ፤
ዘንጊ ገዛኢ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን።
እዚኣ ልቕሶ እያ፤ ከም መልቀስ ትለቐስ።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 19: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in