ሕዝቅኤል 20
20
ጥልመት እስራኤል
1ኮነ ኸዓ፥ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት፥ ኣብቲ ሓምሻይ ወርሒ፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ብዙሓት ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቑ መፂኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 3“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ‘ክትጥይቑኒዶ መፂእኹም?’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ህያው እየ፥ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።
4“ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም። 5በሎምውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፥ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ዝመሓልኩሎም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ ዝተገለፅኩሎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ ኢለውን ዝመሓልኩሎም፥ 6በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም። #ዘፀ. 6፡2-8። 7ኣነ ኸዓ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ርኽሰት ዓይኑ ይደርቢ፤ ብጣዖታት ግብፂ ድማ ኣይትርከሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ በልክዎም። 8ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ርኽሰት ዓይኑ ኣይደርበየን፤ ጣዖታት ግብፂውን ኣይሓደገን፤ ሽዑ ኣብ ማእኸል ምድሪ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ክወፀሎምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክኽዑ እየ በልኩ። 9ግናኸ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነበሩ እሞ፥ ኣነ ንኣኣቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ብምውፅአይ ኣብ ቅድሚኣቶም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት ስመይ ከይረክስ ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
10“ካብ ሃገር ግብፂ ኸዓ ኣውፃእኽዎም፤ ናብ በረኻውን ኣምፃእኽዎም። #ዘሌ. 18፡5። 11ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም። 12ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም። #ዘፀ. 31፡13-17። 13ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ። 14ግናኸ ምእንቲ ስመይ፥ ካብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎ ህዝብታት፥ ስመይ ከይረክስ ኢለ፥ ስለ ስመይ እየ ዝገበርክዎ። 15-16ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
17ግናኸ ዓይነይ ራህርሀትሎም እምበር ኣየጥፋእኽዎምን፤ ኣብቲ በረኻውን ፈፂመ ኣይወዳእኽዎምን። 18ኣብ ምድረ በዳ ኸዓ ንደቆም፥ “ከምቲ ሕግጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፤ ስርዓቶም ድማ ኣይትሓልዉ፤ ብጣዖታቶምውን ኣይትርከሱ። 19ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ከም ሕግጋተይ ተመላለሱ፤ ስርዓተይ ከዓ ሓልዉ፤ ግበርዎውን። 20ንሰናብተይ ቀድሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክኾና እየን።
21“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ። 22ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፤ ምእንቲ ስመይ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎም ኣህዛብ፥ ስመይ ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። 23-24ሕግጋተይ ኣበዩ፤ ንሰናብተይ ኣርከሱ፤ ኣዒንቶም ንጣዖታት ኣቦታቶም ሰዓባ እምበር ስርዓተይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፥ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ናብ ሃገራት ክብትኖም እየ፥ ኢለ ኣብቲ ምድረ በዳ መሓልኩ።
25“ምስ ናይ እዙይ ኣነውን ፅቡቕ ዘይኮነ ሕግጋት፥ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ስርዓታት ሃብክዎም። 26ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ከባድሞም ኢለ በቲ ዅሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ፥ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎ።”
27ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ በዙይ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ፀረፉኒ። 28ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ። 29ኣነ ኸዓ ‘እዝ ናብኡ እትኸድዎ ዘለኹም በሪኽ እንታይ እዩ?’ በልክዎም። በዝ ኸምዙይ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ‘ባማ’ ይብልዎ ኣለዉ። 30ስለዙይ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ ንስኻትኩም ከም መንገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፤ ነቲ ዘፀይፍ ነገሮም እናሰዓብኩም ዘሞኹም። 31መባእኹም ክተቕርቡ፥ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኽተሕልፉ እንተለኹም፥ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣዖታትኩም ትረኽሱ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክጥየቕ እየ? ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ። 32ንሕና ኸምቶም ኣህዛብን ዓሌታት ሃገራትን፥ ንዕንፀይትን እምንን ከነምልኽ ኢና፥ ዝብል ሓሳብ ልብኹም ኣይፍፀመልኩምን።”
ዝቐፅዕ ኮነ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ
33“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን ርግፅ ክነግሰኩም እየ። 34ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ። 35ናብ ምድረ በዳ ኣህዛብ ከዓ ኽወስደኩም፥ ኣብኡውን ገፅ ንገፅ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ። 36ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ግብፂ እተፋረድኩ፥ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
37“ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፥ ናብ መእሰሪ ኪዳን ከዓ ኸእትወኩም እየ። 38ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
39ኣቱም ቤት እስራኤል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስማዕ ካብ ኣበኹምንስ፥ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣዖታትኩም ኣምልኹ፤ ድሕሪዙይ ግና ንቕዱስ ስመይ ብመባእኹምን ብጣዖታትኩምን ኣይተርክስዎን ኢኹም። 40ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ኵሎም ቤት እስራኤል፥ ኣብታ ምድሪ ኸምልኹኒ እዮም፤ ኣብኡ ተሓጕሰ ኽቕበሎም እየ፤ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዅሪ እቶት መባእኹምን ምስ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 41ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ። 42ንስኻትኩምውን ናብ ምድሪ እስራኤል፥ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ፥ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኹኹም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 43ኣብኡ ኸዓ ንመንገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፤ በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ንርእስኹም እትፅየፉ ኢኹም። 44ኣቱም ቤት እስራኤል ከምቲ ክፉእ መንገድኹምን፥ ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ብወገን ደቡብ ዝለዓል ሓዊ
45ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 46“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፥ ናብ ደቡብ ከዓ ቓልካ ኣንጠብጥብ፤ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር በረኻ ድማ ተነበየሉ። 47ነቲ ዱር ደቡብ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣባኻ ሓዊ ኽእጕድ እየ። ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን፥ ንዅሉ ንቑፃት ኣእዋምን ሞዅ ኸብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይጠፍእን፤ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከዓ፥ ኵሉ ገፅ ብእኡ ኽነድድ እዩ። 48ኵሉ ስጋውን እቲ ዝኣጐዶስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽርኢ እዩ።”
49ሽዑ ኣነ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ወዮ! ‘ንሳቶም ብዛዕባይ፥ ምስላታት እዩ ዝምስል’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: