ሕዝቅኤል 18
18
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ስለ ምንታይ ኢኹም ኣብ ምድሪ እስራኤል፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ዘቢብ በልዑ እሞ፥ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ’ ኢልኩም እትምስሉ?
3“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ እዝ ምስላ እዙይ ድሕሪዙይ ኣብ እስራኤል ኣይትምስልዎን ኢኹም። 4እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
5“ፃድቕ ሰብ እንተ ሃለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ 6ኣብ እምባታት እንተ ዘይበልዐ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ እንተ ዘይበላ፥ ሰበይቲ ብፃዩ እንተ ዘየርከሰ፥ ብጊዜ ፅጊኣ ኸዓ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ፥ 7ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዐን፥ ንበዓል ዕዳ ትሕጃ እንተ መለሰሉ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመፀ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ እንተ ሃበ፥ ንዕሩቕ ከዓ ኽዳን እንተ ኸደነ፥ 8እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሀረፀን ኢዱ ኻብ ዓመፅ እንተ ኸልከለ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ከዓ ቕንዕና እንተ ፈረደ፥ 9ብሕግጋተይ እንተ ተመላለሰ፥ ፅድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፥ ንሱ ፃድቕ እዩ፤ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10-11“ግናኸ ንሱ፥ ዓማፂ፥ ደም ዘፍስስ፥ ካብዝ ነገር እዙይ ከዓ ዝኾነ ኻልእ ዝገብር ውሉድ እንተ ወለደ፥ ፃድቕ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ዘይገብር፥ ኣብ እምባታት ዝበልዕ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘርክስ፥ 12ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥ 13ዘኻዕብትን ዘህርፅን ንሱዶ ብህይወት ክነብር እዩ? ንሱ ኣይነብርን፤ እዝ ዅሉ ፅዩፍ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ሞት ክመውት፥ ደሙ ኸዓ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።
14“እንሆ ኸዓ፥ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ሪኡ ዝፈርሕን፥ ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፥ 15ኣብ እምባታት ዘይበልዕ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ ዘየብል፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘየርክስ፥ 16ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፥ ትሕጃ ዘይሕዝ፥ መንዚዑ ዘይወስድ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ ዘብልዕ፥ ንዕሩቕውን ክዳን ዝኸድን፥ 17ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዝመልስ፥ ሃረፃን ወለድን ዘይወስድ፥ ፍርደይ ዝገብር፥ ብሕገይ ዝመላለስ፥ ንሱ ብህይወት ይነብር እምበር፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦኡ ኣይመውትን እዩ። 18ኣቦኡ ዓመፀኛ ስለ ዝነበረ፥ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድአ፥ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኸዓ ሰናይ ዘይኮነ ስለ ዝገበረ፥ እንሆ ብበደሉ ኽመውት እዩ።
19“ንስኻትኩም ግና ‘ስለ ምንታይ እዩ፥ እቲ ወሉድስ ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይፀውር?’ ትብሉ ኣለኹም፤ እቲ ውሉድ ቅንዕናን ፅድቅን ገይሩ፥ ንዅሉ ሕግጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፥ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ። 20እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን። #ዘዳ. 24፡16።
21“ግናኸ እቲ ሓጢኣተኛ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ኵሉ ሕግጋተይ ከዓ እንተ ሓለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ድማ እንተ ገበረ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን እዩ። 22ካብቲ ዝበደሎ በደልስ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከረሉን፤ በቲ ዝገበሮ ፅድቂ ብህይወት ክነብር እዩ። 23ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24“እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።
25“ንስኻትኩም ግና፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ኣቱም ቤት እስራኤል እስኪ ስምዑ፤ መንገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን? 26ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ በደል እዩ ዝመውት። 27ግናኸ እቲ ሓጥእ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ከንብራ እዩ። 28ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ በደል ኣስተንቲኑ ስለ ዝተመለሰ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን። 29ግናኸ ቤት እስራኤል፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፥ ይብሉ ኣለዉ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ብሓቂዶ መንገደይ እዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?”
30ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ። 31ነቲ ዝበደልኩምዎ በደል ካባኻትኩም ደርብዩ፤ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ንኣኻትኩም ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይ እትሞቱ? 32ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: