YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 17

17
ምስላ ንስርን ተኽሊ ወይንን
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ ንገሮም፤ ምስላውን መስለሎም። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ። 4ነቲ ርእሲ ጨንፈር ሰልዖ፤ ናብ ምድሪ ከነዓንውን ወሰዶ፤ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸዓ ኣንበሮ። 5ካብታ ምድሪ ድማ ፈልሲ ወሰደ፤ ኣብ ፍርያም ግራት ከዓ ተኸላ፤ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ኸም ኲሓ ገይሩ ስፍራ ኣትሓዛ። 6ንሳ ዓበየት፤ ጨናፍራ ናብኡ ሱራ ኸዓ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፥ ሓፂር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ኾነት፤ በዝ ኸምዙይ ጨንፈር እትጭንፍርን ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ኾነት።
7“ገዚፍ ዝኽንፉ፥ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ ነበረ፤ እንሆ ኸዓ፥ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፥ ንሱ ማይ ከስትያ ኢላ፥ ካብቲ እተተኸለቶ ቦታ፥ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሐት፤ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣስፍሐት። 8ጨናፍር ምእንቲ ኽተውፅእ፥ ፍረ ኽተፍሪ፥ ክብርቲ ኦም ወይኒ እውን ክትከውንስ፥ ኣብ ፅቡቕ ግራት፥ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።”
9በለ ድማ፥ “ክተልምዕዶ እያ? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ምእንቲ ኽትነቅፅስ ሱራዶ ኣይንቀልን? ፍሪኣኸ ኣይቝረፅን ድዩ? እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘፅልኸ ኣይነቅፅን ድዩ? ሱራ ንምብቋስ፥ ሓያል ቅልፅምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ። 10እንሆ ምትካልስ ተተኺላ ኣላ፤ እሞ ኽትለምዕ ድያ? ንፋስ ምብራቕ ምስ ነኽኣኸ፥ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይትነቅፅን እያ? ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅፅ እያ።”
ትርጉም ምስላ
11ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 12“እምበኣርከስ ነዝ ዓማፂ ቤት እዙይ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። ንገሮም ድማ፥ “እንሆ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ንንጉሳን መሳፍንታን ማሪኹ፥ ናብኡ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። #2 ነገ. 24፡15-20፥ 2 ዜና. 36፡10-13። 13-14እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ኸይትትስእ፥ ብምሕላው ኪዳና ኸዓ ምእንቲ ኽትቀውምስ፥ ካብ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፥ ምስኡ ኺዳን ኣተወ፤ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ፤ ነቶም ኣውራታት እታ ምድሪ እውን ምስኡ ወሰዶም። 15ግናኸ ንሱ ኻብኡ ኸድዐ፤ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ፥ ልኡኻቱ ናብ ግብፂ ሰደደ፤ ክሰልጦ ድዩ? ኸምዙይ ዝበለ ዝገብርከ ኸምልጥ ድዩ? ጠላሚ ኺዳንከ የምልጥ ድዩ?
16“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ። 17ብዙሕ ሰብ ክቐትሉ ኢሎም፥ ዕርዲ ኽዕርዱን ግንቢ ኽሰርሑን እንተለዉ ፈርዖን ከዓ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኮይኑ፥ ኣብ ውግእ ኣይረድኦን እዩ። 18ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፥ ኢድ ጠቒዑ እዝ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፥ ኣየምልጥን እዩ።”
19ስለዙይ “ኣነ ህያው እየ፤ እቲ ዝነዓቖ ማሕላይን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን፥ ብርግፅ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 20“መርበበይ ክዝርግሐሉ እየ፤ ብመፈንጠረይ ከዓ ኽተሓዝ እዩ፤ ናብ ባቢሎን ድማ ኽወስዶ፥ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዓመፀሉ ዓመፃ ኽፋረዶ እየ። 21እቶም ዝሃድሙ ዅሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኽወድቁ፥ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዝረዉ እዮም” ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝተዛረብኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ
22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኸዓ ኻብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ኸንብሮ እየ፤ ካብቲ ላዕለዋይ ጠጥዒ፥ ሓንቲ ለይለይ እትብል ሰሊዐ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ እምባ ኽተኽላ እየ። 23ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን። 24ኵለን ኣእዋም በረኻ ከዓ፥ ነታ ነዋሕ ኦም ትሕት ዘበልኩ፥ ነታ ትሕት ዝበለት ኦም ከዓ ልዕል ዘበልኩ፥ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀፅኩ፥ ነታ ንቕፅቲ ኦም ከዓ ዘጠጣዕኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ኣነውን ክገብሮ እየ።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in