YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል መእተዊ

መእተዊ
ነቢይ ሕዝቅኤል ብ586 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፥ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምውዳቓን ብድሕሪኡን፥ ኣብ ባቢሎን ተሰዲዱ ይቕመጥ ነበረ። እቲ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ባቢሎን ኣብ ስደት ዝነብሩ ዝነበሩን፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝብን፥ ዝተፅሓፈ ነበረ። ትንቢት ሕዝቅኤል ሽዱሽተ ቐንዲ ኽፍልታት ዝሓዘ እዩ፦
1. እግዚኣብሄር ንሕዝቅኤል ነቢይ ክኸውን ከም ዝፀውዖ።
2. ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቢ ኽወርድ ከም ዝቐረበን፥ ኢየሩሳሌም ክትውረርን ክትፈርስ ምዃናን ዘጠንቅቕ መልእኽቲ።
3. ነቶም ንህዝቢ ዘሳቐዩን ዘጋገዩን መንግስታት፥ እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ከም ዝኾነ ዝነግር ቃል ትንቢት።
4. ድሕሪ ምውዳቕ ኢየሩሳሌም፥ እስራኤል ምፅንናዕ ከም እትረክብን፥ ፅቡቕ ዕድል ከጋጥማ ኸም ዝኾነን ዘበስር ቃል ተስፋ።
5. ኣብ ልዕሊ ጎግ ዝተዘረበ ትንቢት።
6. ቤተ መቕደስን መንግስቲ እስራኤልን ከም ቀደመን ኮይነን ዝነብራሉ ዅነታት ዝገልፅ ትንቢት።
ሕዝቅኤል ድልዱል እምነትን ዓሚቝ ምስትውዓልን ዝነበሮ ሰብ ነበረ። ንዝመፅእ ኵነታት መብዛሕትኡ እዋን ብራእይ ይግለፀሉ ነበረ፤ መልእኽቱ ኸተሓላልፍ እንተሎ ድማ ብዝርዳእ ብሩህ ምሳሌኣዊ ኣገላልፃ ነበረ።
ሕዝቅኤል፥ ውሽጣዊ ምሕዳስ ልብን መንፈስን ከም ዘድሊ፥ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዝፈፀሞ ሓጢኣት ባዕሉ ዝሕተተሉ ምዃኑ፥ ኣበርቲዑ ይምህር ነበረ። ኣብ ልዕልዙይ ድማ ህይወት ህዝቢ ኽሕደስ ምዃኑ ዝነበሮ ተስፋ ይነግር ነበረ። ካህንን ነቢይን ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ብዛዕባ ቤተ መቕደስን ብዛዕባ ቕድስናን ፍልይ ዝበለ ምግዳስ ነበሮ።
ትሕዝቶ
1. እግዚኣብሄር ንሕዝቅኤል ከም ዝፀውዖ 1፡1-3፡27
2. ብዛዕባ ጥፍኣት ኢየሩሳሌም 4፡1-24፡27
3. ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ 25፡1-32፡32
4. ንህዝቡ ዝሃቦም ተስፋ 33፡1-37፡28
5. ትንቢት ብዛዕባ ጎግ 38፡1-39፡29
6. ራእይ ብዛዕባ ሓዳስ ቤተ መቕደስን ምድሪ እስራኤልን 40፡1-48፡35

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in