ዘፀኣት 6
6
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝፀውዖ
2እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፤ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ 3#ዘፍ. 17፡1፥ 28፡3፥ 35፡1፥ ዘፀ. 3፡13-15። ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ‘ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ስም እየ ዝተገለፅኩሎም። ‘እግዚኣብሄር’ #6፡3 እግዚኣብሄር፦ ዕብራይስጢ “ያህዌ” ይብል። ብዝብል ስመይ ግና ኣይተገለፅኩሎምን። 4ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ። 5ሕዚ ድማ፥ ግብፃውያን ባሮት ገይሮም ናይ ዝገዝእዎም ደቂ እስራኤል ብኽያት ሰሚዐ ኺዳነይ ዘከርኩ።” 6ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ። 7ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም። 8ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
9ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።
10-11እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ናብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ኣቲኻ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ንኽወፁ ኽሰዶም ንገሮ” በሎ።
12ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ።
13እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ተናገሮም፤ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም ንኽነግርዎ ኣዘዞም።
ትውልዲ ሙሴን ኣሮንን
14ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
15ደቂ ስምኦን ድማ፥ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ስምኦን እዮም።
16 #
ዘሑ. 3፡17-20፥ 26፡57-58፥ 1 ዜና. 6፡16-19። ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
17ደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶም ሎቤኒ፥ ሰሜኢ እዮም።
18ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።
19ደቂ ሜራሪ ኸዓ ሞሖሊን ሙሲን እዮም። እዚኣቶም በብዓሌቶም ማይ ቤት ሌዊ እዮም።
20እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ #6፡20 ጓል ሓው ኣቦኡ፦ ገሊኣቶም ፅሑፋት “ኣሞኡ” ይብሉ። ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን #6፡20 ኣብ ግእዝ “ንማርያም ሓፍቶምን” ዝብል ይርከብ። ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
21ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ ቆሬ፥ ናፌግ፥ ዝክሪ እዮም። 22ደቂ ዑዝኤል ከዓ፥ ሚሳኤል፥ ኤልዳፋን፥ ስትሪ እዮም።
23ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
24ደቂ ቆሬ ድማ ኣሴር፥ ሕልቃና፥ ኣብያሳፍ እዮም። እዚኣቶም ቤተ ሰብ ቆሬ ነበሩ።
25ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣጓላት ፉትኤል ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንፊንሃስ ወለደትሉ።
እዚኣቶም በብቤተ ሰቦም ኣሕሉቕ ኣቦታት ሌዋውያን ነበሩ።
26እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም። 27እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅእዎም፥ ምስ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ዝተዛረቡ፥ ሙሴን ኣሮንን፥ እዚኣቶም እዮም።
እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ንጉስ ከም ዝለኣኾም
28በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ። 29“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ እዝ ዅሉ ኣነ ዝዛረበካ፥ ንንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንገሮ” በሎ።
30ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: