ዘፀኣት 5
5
ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ንጉስ
1ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ኣትዮም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣብ ምድረ በዳ በዓል ክገብሩለይ ንህዝበይ ስደዶም’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
2ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።
3ሙሴን ኣሮንን ድማ “ኣምላኽ ዕብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፥ ፌራ ወይ ውግእ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኼድና፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርበሉ፥ ፍቐደልና” በልዎ።
4ንጉስ ግብፂ ኸዓ “ንስኻትኩም ሙሴን ኣሮንን! ስለ ምንታይ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ስራሑ ተብኵርዎ ኣለኹም? ናብ ስራሕኹም ኪዱ” በሎም። 5ፈርዖን ድማ ኣስዒቡ “እንሆ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብዛ ሃገር በዚሑ ኣሎ፤ ካብ ስራሖም ከዓ ተብኵርዎም ኣለኹም” በሎም።
6በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ፈርዖን ነቶም ኣዘዝቶምን ነቶም ኣሕሉቕ ዝኾኑን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ 7“ደጊም ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፥ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም፥ ንመስርሒ ጡብ ዝኸውን ሓሰር ኣይትሃብዎም። 8ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ። 9እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።
10እቶም ኣዘዝቶምን እቶም ኣሕሉቖምን ወፂኦም ነቶም ህዝቢ፦ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፤ 11ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም። 12በዝ ምኽንያት እዙይ፥ እቲ ህዝቢ ሓሰር ክእክብ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በለ። 13እቶም ኣዘዝቶም ድማ “እቲ ነንመዓልቱ ዝተመደበ ስራሕ፥ ከምቲ ሓሰር እንትወሃበኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ነንመዓልቱ ኣማልኡ” እናበሉ ኣዳፍእዎም። 14እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም።
15እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ፈርዖን ከይዶም “ስለ ምንታይ ንኣና ንኣገልገልትኻ ኸምዙይ ትገብረና ኣለኻ? 16ሓሰር ኣይህቡናን፤ ጡብ ከዓ ኸምቲ ናይ ቀደምኩም ግበሩ ይብሉና። እንሆ ድማ ንሕና ኣገልገልትኻ ተገረፍና። በዲሎም ዘለዉ ግና ህዝብኻ እዮም” እናበሉ ጠርዑ።
17ንሱ ግና “ሃካያት! ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም። ‘ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ክንከይድ ስደደና’ ትብሉ ዘለኹምውን በዝ ምኽንያት እዙይ ኢኹም። 18ሕዚ ድማ ኺዱ ስርሑ፤ ሓሰር ኣይወሃበኩምን እዩ፤ እቲ ምዱብ ቍፅሪ ጡብ ክተማልኡ ግና ግድን እዩ” በሎም።
19እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ድማ “ካብቲ ንመዓልቲ ዝተመደበ ቝፅሪ ጡብ ኣይተጕድሉ” ምስ ተብሃሉ መከራ ኸም ዝፀንዖም ተረድኡ። 20ካብ ፈርዖን ክወፁ እንተለዉ ኸዓ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚኣቶም ቆይሞም ተራኸብዎም። 21ንሳቶምውን “ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ሹመኛታቱን ጨናና ኣኽፋእኹም፤ ክቐትሉናውን ሰይፊ ናብ ኢዶም ኣዕቲርኩምዎም ኢኹምሞ እግዚኣብሄር ይርአኹም፤ ንሱውን ይፍረድኩም” በልዎም።
ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝጠርዐ
22ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ? 23ካብታ ናብ ፈርዖን ከይደ ብስምካ ዝተዛረብኩላ ዕለት፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣጨነቐሉ፤ ንስኻ ድማ ንህዝብኻ ኸቶ ኣየድሓንካዮን” በለ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: