ዘፀኣት 7
7
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ። 2ንስኻ እቲ ኵሉ ዝእዝዘካ ዘለኹ ንገሮ፤ ኣሮን ሓውካ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኽሰዶም ንፈርዖን ይንገሮ። 3#ግ.ሓ. 7፡36። ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ። 4ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ። 5ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
6ሙሴን ኣሮንን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። 7#ራእይ 16፡4። ምስ ፈርዖን ክዛረቡ እንተለዉ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፥ ኣሮን ከዓ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ነበሩ።
በትሪ ኣሮን
8እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ 9“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”
10ሙሴን ኣሮንን ከዓ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን በትሩ ደርበየ፤ ተመንውን ኮነት። 11ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። 12ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን። 13ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ኣብ ግብፂ ዝወረደ መቕሰፍቲ
ቀዳማይ መቕሰፍቲ
14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ልቢ ንጉስ ተሪሩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸይሰዶ ኸዓ ኣብዩ ኣሎ። 15እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ። 16ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን። 17እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። 18እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።”
19እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ‘በትርኻ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን ሩባታቶምን ቀላያቶምን መዕቘሪ ማዮምን ዘርግሕ’ ኢልካ ንገሮ። ሽዑ ዅሉ እቲ ማይ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብፂ ደም ክኸውን እዩ።”
20ሙሴን ኣሮንን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከዓ በትሩ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ነቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ከዓ ናብ ደም ተለወጠ። 21እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
22እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን። 23ፈርዖን ነዙይ ኣይተገደሰሉን፤ ተመሊሱውን ናብ ቤቱ ኣተወ። 24ነቲ ማይ ሩባ ኽሰትይዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ዅላቶም ግብፃውያን ዝስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ እቲ ሩባ ሸኻ ዀዓቱ። 25እግዚኣብሄር ነቲ ሩባ ኻብ ዝወቕዖ ሸውዓተ መዓልቲ ሓለፈ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: