ዘፀኣት 4
4
እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ተኣምራታዊ ሓይሊ
1ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።
2እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ።
3ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ። 4-5“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ከም ዝተርኣየካ ምእንቲ ኽኣምኑ ኢድካ ዘርጊሕኻ ብጭራኣ ሓዛ” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ብጭራኣ ሓዛ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ በትሪ ኾነት።
6እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ “ንኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ ኢዱ ኸም በረድ ዝፃዕደወት ለምፃም ኮነት። 7መሊሱ “ኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ንኢዱ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ካብ መንኰራርዕቱ ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ኣካሉ ኾነት። 8እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ዝገበርካዮ ቐዳማይ ምልክት እንተ ዘይኣሚኖም፥ ነቲ ኻልኣይ ምልክት ክኣምኑ እዮም። 9ነዝ ክልተ ምልክት እዙይ እንተ ዘይኣመኑ፥ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ሩባ ማይ ውሰድ እሞ፥ ናብ ንቑፅ ምድሪ ኣፍስሶ። እቲ ኻብ ሩባ ዝወሰድካዮ ማይ ከዓ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ፥ ደም ክኸውን እዩ” በሎ።
10ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።
11እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን ድዩ? በሃም ወይ ፀማም፥ ዝርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን ድዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? 12ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
13ሙሴ ግና “በይዛኻ ጐይታ! ብኢድ እትልእኾ ሰብ ደኣ ለኣኽ” በሎ። 14ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ነደደ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ “እቲ ሌዋዊ ሓውካ ኣሮን ኣሎዶ ኣይኮነን? ንሱ ፅቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። እንሆ ንሱ ኽራኸበካ ይመፅእ ኣሎ። ምስ ረአየካ ድማ ኽሕጐስ እዩ። 15ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ። 16ንሱ ኽንዳኻ ንህዝቢ ኽዛረቦም እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ ንሱ ኣፍ ክኾነካ እዩ፤ ንስኻ ድማ ኽንዲ እግዚኣብሄር ክትኮኖ ኢኻ። 17ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”
ሙሴ ናብ ግብፂ ኸም ዝተመለሰ
18ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ።
19እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኣብ ምድያም፥ “ኵሎም እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ፥ ኪድ ናብ ግብፂ ተመለስ” በሎ። 20ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።
21እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ። 22ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ። 23#ዘፀ. 12፡29። ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”
24ኮነ ድማ፥ ሙሴ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝሓደረሉ ቦታ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፤ ክቐትሎውን ደለየ። 25ሽዑ ሲፖራ ፅንፅልሒት ወሲዳ ወዳ ገረዘት፤ ንሙሴ ኸዓ “ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” እናበለት ናብ እግሩ ደርበየቶ። 26እግዚኣብሄር ከዓ ካብኡ ድሕር በለ፤ ሽዑ ኸዓ እያ ስለ ግርዘቱ “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ዝበለት።
27እግዚኣብሄር ከዓ ንኣሮን “ኪድ እሞ ንሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ተራኸቦ” በሎ። ኣሮን ከዓ ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር ከይዱ ተራኸቦ፤ ሰዓሞውን። 28ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ። 29ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከብዎም። 30ኣሮን ድማ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዛረቦ ነገሮም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ። 31እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: