ዘፀኣት 39
39
ልብሲ ካህናት
(ዘፀ. 28፡1-14)
1ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።
ኤፉድ
2ነቲ ኤፉድ ብወርቅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ገይሮም ሰርሕዎ። 3ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ። ምስ ሰማያዊ ሓምራዊ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ምስ ሃርን ክኢላ ሰብ ብብልሓት ምእንቲ ኽኣልሞ፥ ከም ፈትሊ ገይሮም ኣዳለውዎ። 4ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ። 5እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ።
6ብትንጎ ወርቂ ዝተኸበ እምኒ ኦኒክስ ኣዳለዉ፤ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም ከዓ ስም ደቂ እስራኤል ቀረፁሉ። 7ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ማእገር ኣብ ዝውዕል ኤፉድ ገበርዎ።
ሳንቃ ኣፍ ልቢ
(ዘፀ. 28፡15-30)
8ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ክኢላ ዝተገብረ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይሮም ብወርቅን ብሰማያዊን፥ ብሓምራዊን፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገበርዎ። 9ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ዝኾነ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድርብ ነበረ። 10ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ድማ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፦ ሰርድዮን፥ ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ፤ 11ኣብ ካልኣይ መስርዕ፦ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ፤ 12ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፦ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ፤ 13ኣብ ራብዓይ መስርዕ፦ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ፤ እዝ ዅሉ ብወርቂ ኣብ ዝተገብረ ትንጎ ተሰዂዑ ነበረ። 14እቲ ኣእማን ድማ፥ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ነበረ። ስም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ፥ ከም ቅርፂ ማሕተም ኣብቲ ኽቡር ኣእማን ተቐርፀ።
15ንሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝኸውን ድማ፥ ብፅሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ፍሒሶም ሰንሰለታት ገበሩ። 16ክልተ ትንጎ ወርቅን ክልተ ቐለበት ወርቅን ገበሩ እሞ፥ ነቲ ኽልተ ቐለበት ኣብቲ ኽልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። 17ነቲ ኽልተ ትንጎ ወርቂ ድማ፥ ኣብቲ ወሰና ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት ገበርዎ። 18ነቲ ኽልተ ኻልእ ኣንፊ ናይቲ ኽልተ ትንጎ ድማ፥ ኣብቲ ኽልተ መሰኵዒ ኣጋጢሞም፥ ኣብቲ ኽልተ ማእገር ኤፉድ ብወገን ቅድሚት ገበርዎ። 19ክልተ ቐለበት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ ገበርዎ። 20ሽዑ ኽልተ ቐለበት ወርቂ ገበሩ እሞ፥ ኣብ ክልቲኡ ማእገር ኤፉድ ብታሕቲ፥ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቅናት ኤፉድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ ገበርዎ። 21ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክኸውን፥ ካብቲ ኤፉድ ድማ ኸይፍለ፥ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ብቐለበታቱ ምስ ቀለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ።
ካልእ ልብሲ ካህናት
(ዘፀ. 28፡31-43)
22ነቲ ናይ ላዕሊ ኤፉድ ቐሚሽ ብምሉኡ፥ ብሰማያዊ ኻብ ዝተኣልመ ዓለባ ገበርዎ። 23እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ቐሚሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሮም፥ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ኸበስዎ። 24ነቲ ቐሚሽ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ዘፈሩ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ፥ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ሮማናት ገበሩሉ። 25ብፅሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ ቓጭላት ገበሩ። ነቲ ቓጭላት ምስቲ ሮማናት እናዛነቑ፥ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ፥ ብዙርያኡ ገበርዎ። 26ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከገልግሉ እንተለዉ ምእንቲ ኽለብስዎ፥ ሓደ ቓጭልን ሓደ ሮማንን እናዛነቑ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ ብዙርያኡ ገበሩ።
27ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብሃሪ ገይሮም፥ ብማእለማ ዝተኣልመ ቐማውሽ ታሕትን፥ 28መጠምጠምያን ናይ ገይፂ ቖብዕን ገበሩሎም። ስረታት ድማ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ገበሩሎም። 29ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ቕናት ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብምጥላፍ ዝተሰርሐ ነበረ።
30ብፅሩይ ወርቂ ቅዱስ ኣኽሊል ሰሪሖም ድማ፥ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ፅሕፈት ፀሓፉሉ። 31ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ምእንቲ ኽእሰር፥ ኣብቲ ኣኽሊል ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩ።
ስራሕ ድንኳን ከም ዝተፈፀመ
(ዘፀ. 35፡10-19)
32ኵሉ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተሰሪሑ ተፈፀመ። ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። 33ሽዑ ነቲ ድንኳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ቝልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥ 34ነቲ መደረብታ ዝኸውን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጕላታትን፥ ልስሉስ ቈራብትን፥ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃን፥ 35ነቲ ታቦት ኪዳንን መፃውሩን ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥ 36ነቲ ጠረጴዛ ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ሕብስቲ ቝርባንን፥ 37ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥ 38ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን መዕፀዊ ዝኸውን መጋረጃን፥ 39ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ምስቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡን መፃውሩን፥ ኵሉ ኣቑሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፥ 40ነቲ መጋረጃታት ቅፅሪ ምስ ኣዕምዱን መርገፂኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ኣፍ ደገ ቕፅሪ ምስ ኣግማዱን ሽኻላቱን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ዝውዕል ኵሉ ኣቑሑን፥ 41ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።
42ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ። 43ሙሴ ድማ ንዅሉ ስራሕ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ሪኡ ባረኾም።
Currently Selected:
ዘፀኣት 39: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: