ዘፀኣት 40
40
ነቲ ድንኳን ከም ዝተኸልዎ
1ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2“ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ መሕደሪ ትኸሎ። 3ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ መጋረጃ ጌርካ ኸዓ ጋርዶ። 4ነቲ ጠረጴዛ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፥ እቲ ኣብኡ ዝቕመጥ ኣቑሑ ስርዐሉ። ቀዋሚ ቐንዲል ኣእቲኻ ኸዓ፥ እቲ ቐናዲሉ ኣንብረሉ። 5ነቲ ብወርቂ ዝተገብረ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከዓ ብመጋረጃ ጋርዶ።
6“ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ግበሮ። 7ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንብሮ፤ ማይ ከዓ ግበረሉ። 8ነቲ ቕፅሪ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፤ ነቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ግበሮ።
9“መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ኸዓ፥ ነቲ ድንኳንን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፤ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ክኸውን እዩ። 10ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውኢን ንዅሉ ኣቑሑኡን ድማ ቕብኣዮ፤ ነቲ መሰውኢውን ቐድሶ እሞ፥ እቲ መሰውኢ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። 11ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከዓ ቕብኣዮን ቀድሶን።
12“ንኣሮንን ንደቁን ድማ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕሪብካ ብማይ ሕፀቦም። 13ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን። 14ንደቁ ኸዓ ኣቕሪብካ ቐማውሽ ኽደኖም። 15ነቦኦም ከም ዝቐባእኻዮ፥ ንኣኣቶም ድማ ኻህናተይ ክኾኑኒ ቕብኣዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም፥ ብኽህነት ከገልግሉኒ ዘለኣለማዊ ምቕባእ ይኹነሎም።” 16ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
17ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተተኽለ። 18ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ኣቖሞ፤ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ሉሓቱ ኣቖሞ፤ ጋድማቱ ኣእተወ፤ ኣዕምዱውን ተኸለ። 19ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዓለባ ዘርግሐሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ ገበረሉ።
20ነቲ ፅላት ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ፥ ነቲ ታቦት መፃውር ገበረሉ፤ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደን ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንበሮ። 21ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ድንኳን ኣእተዎ፤ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ጋረዶ።
22ነቲ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ። 23ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጠረጴዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ።
24ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ መንፅር ጠረጴዛ፥ ብወገን ደቡብ ድንኳን ኣንበሮ። 25ነቲ ቐንዲል ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ።
26ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ድማ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ። 27ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ኣብኡ ምዑዝ ዕጣን ዓጠነ። 28ነቲ መጋረጃ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ገበሮ።
29ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መሕደሪ ናይ መራኸቢ ድንኳን ኣንበሮ እሞ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣብኡ ኣቕረበ።
30ነቲ ገበራ ድማ፥ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፥ ንመሕፀቢ ዝኸውን ማይ መልኦ። 31ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከዓ፥ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕፀቡ ነበሩ። 32ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉን፥ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ይሕፀቡ ነበሩ።
33ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ከዓ፥ ቅፅሪ ኣቖመ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ድማ፥ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ነቲ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ።
ክብሪ እግዚኣብሄር
(ዘሑ. 9፡15-23)
34ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ። #1 ነገ. 8፡10-11፥ ኢሳ. 6፡4፥ ሕዝ. 43፡4-5፥ ራእይ 15፡8። 35እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ነቲ ድንኳን መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ ሙሴ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን።
36እቲ ደመና ኻብቲ ድንኳን እንትለዓል፥ ደቂ እስራኤል ብዅሉ መንገዶም ይጐዓዙ ነበሩ። 37እቲ ደመና እንተ ዘይተልዒሉ ግና፥ ክሳዕ ዝለዓል ኣይጐዓዙን ነበሩ። 38ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 40: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: