YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 38

38
መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውኢ
(ዘፀ. 27፡1-8)
1ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ፥ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውኢ ገበረ። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ። 2በርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ገበረሉ። ነቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ኣልጊቡ ሰርሖ፤ ብነሃስ ከዓ ለበጦ። 3ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ቍራዕን መፅሓሪን ውንጭሕትን መውግኢ ስጋን ምድጃን ገበረ፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ብነሃስ ሰርሖ። 4ነቲ መሰውኢ ዝኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ፥ ብነሃስ ሰሪሑ ኣብ ትሕቲ መንከስ እቲ መሰውኢ ኣልገቦ፤ ብወገን ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ኸም ዝበፅሕ ድማ ገበሮ። 5ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ነሃስ ከዓ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ፥ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረሉ፤ 6መፃውር ከዓ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብነሃስ ድማ ለበጦ። 7ነቲ መፃውር ድማ፥ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን፥ ናብቲ ኣብ ጐኒ መሰውኢ ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ። እቲ መፃውር ካብ ሉሕ ጓንጓ ኾይኑ ዝተሰርሐ ነበረ።
8ነቲ ገበራ ብነሃስ ገይሩ ሰርሐ፤ ምስ ኣጋሮኡ ሰርሐ፤ እዝ ነሃስ እዙይ፥ እተን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ዘምፅኣኦ ናይ ነሃስ መስትያት እዩ። #ዘፀ. 30፡18።
ቅፅሪ
(ዘፀ. 27፡9-19)
9ቅፅሪ ድማ ገበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ። 10ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ገበረ፤ ናይቶም ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ዝተሰርሐ ነበረ። 11ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን፥ ኣርብዓን ሽዱሽተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ሰርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ።
12ብወገን ምዕራብ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበረ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። 13ብወገን ምብራቕ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምስፍሑ ነበረ። 14እቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ዓምዲ ድማ ነበሮ። 15ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ፤ ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ነበሮ። 16ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቕፅሪ ዝነበረ መጋረጃታት፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ነበረ። 17ኣእጋር እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ካብ ነሃስ ነበረ። ናይቶም ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፤ ኵሉ ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ እውን ዘንግታት ብሩር ነበሮ።
18መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ድማ ኻብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ ነበረ። ከምቲ መጋረጃታት ቅፅሪ፥ ንውሓቱ ዕስራ እመት ቁመቱ ሓሙሽተ እመት ነበረ። 19ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ ኣዕማድን፥ ኣርባዕተ መርገፂን ድማ ነበሮ። መሰቓቐሊኡን ዘንግታቱን ብሩር ነበረ፤ ጕልላቱ ድማ ብብሩር ዝተለበጠ ነበረ። 20ሽኻላት እቲ ድንኳንን ሽኻላት እቲ ቕፅርን ብምሉኡ ብነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።
ንመስርሒ ድንኳን ዝወዓለ ኣቑሑ
21ነቲ መሕደሪ ድንኳን ንሱውን እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሌዋውያን ብኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ተመሪሖም፥ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣቑሑ እዙይ እዩ። 22እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ። 23ኤልያብ፥ ወዲ ኣሒሳማክ ካብ ነገድ ዳን ከዓ ምስኡ ነበረ። ንሱ ቐራፅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን ሃርን ዝሰርሕ ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ። 24እቲ ንዅሉ ስራሕ ቤተ መቕደስ መስርሒ ክኸውን ዝተውሃበ ወርቂ፥ ሽሕ ኪሎ ግራም ኮነ።
25በቶም ዝተቘፀሩ ህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ብሩር ድማ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ኪሎ ግራም ኮነ። 26#ዘፀ. 30፡11-16። እዝ ፀብፃብ እዙይ ደቂ እስራኤል ክቝፀሩ እንተለዉ፥ እቶም ዝተቘፀሩ ሰባት ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝኸፈልዎ ድምር እዩ። እቶም ዝተቘፀሩ ድማ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ነበሩ። #ማቴ. 17፡24። 27ካብቲ ብሩር፥ ንሓደ መርገፂ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ብምፍሳስ፥ ነቲ ድንኳንን ነቲ መጋረጃታትን ዝኸውን፥ ሚእቲ መርገፂ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ወድአ። 28በቲ ሰላሳ ኺሎ ግራም ብሩር ድማ፥ ነቲ ኣዕምዲ መሰቓቐሊ ገበረሉ፤ ንጕልላቱ ኸዓ ለበጦ፤ ዘንግታትውን ገበረሉ።
29እቲ ዝተውሃበ ነሃስ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ነበረ። 30ብእኡ ገይሩ መርገፂ ኣፍ ደገ ናይቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ መሰውኢ ምስ መጋረዲኡን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውእን፥ 31ኣእጋር ቅፅርን መርገፂ ኣፍ ደገ ቅፅርን፥ ኵሉ ሽኻላት ድንኳንን ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ሰርሐ።

Currently Selected:

ዘፀኣት 38: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in