ዘፀኣት 37
37
ታቦት
(ዘፀ. 25፡10-22)
1ባስልኤል ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ታቦት ሰርሐ፤ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ ኸዓ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ። 2ውሽጡን ደገኡን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 3ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፥ ክልተ ቐለበት ብሓደ ወገን፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ወገን ገበሮ። 4ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ መፃውር ሰርሐ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ። 5እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ድማ፥ ነቲ መፃውር ናብቲ ኣብ ጐኒ ታቦት ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ።
6ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ መኽደን መስተስረዪ ገበረ። 7ወርቂ ቐጥቂጡ ኽልተ ኪሩቤል ሰርሐ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ መኽደን መስተስረዪ ገበሮ። 8ሓደ ኪሩቤል ብሓደ ወሰን፥ ሓደ ኪሩቤል ድማ በቲ ሓደ ወሰን፥ ምስቲ መኽደን መስተስረዪ፥ ብሓደ ኣላጊቡ ሰርሖም። 9እቶም ኪሩቤል መጠማምቲ ነበሩ፤ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፥ ነቲ መኽደን መስተስረዪ በኽናፎም የፅልሉሉ ነበሩ። ገፆም ከዓ ናብቲ መኽደን መስተስረዪ ኣቢሉ ነበረ።
ንሕብስተ ቍርባን ዝኸውን ጠረጴዛ
(ዘፀ. 25፡23-30)
10ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ሰርሐ። 11ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ዙርያኡ ኸዓ ወርቂ ኣኽሊል ገበረሉ። 12ነቲ ዙርያኡውን ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ገበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ልዕሊዑ ብወርቂ ኣኽሊል ኸፈፎ። 13ወርቂ ኣፍሲሱ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረ፤ ንኣኣተን ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበረ። 14እቲ ቐለበታት፥ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እሞ፥ እቲ ጠረጴዛ ብእኡ ኽፅወር፥ ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ነበረ። 15ነቲ መፆሪ ጠረጴዛ ዝኾነ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ድማ ለበጦ። 16ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ፥ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን፥ ነቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍስሰሉ ዅስኵስትታትን፥ ብፅሩይ ወርቂ ሰርሖ።
ቀዋሚ ቐንዲል
(ዘፀ. 25፡31-40)
17ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ቐዋሚ ቐንዲል ሰርሐ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስ እግሩን ዘንጉን፥ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባ፥ ነቲ ጕንዱ ድማ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ገይሩ ሰርሖ። 18ብኽልተ ጐኑ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ነበሮ። 19በቲ ቐዳማይ ጨንፈር ዝመዓጐን ዕንበባኡን ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉ ፅዋዓት፥ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዝመዓጐን ዕንበባኡን፥ ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉን ፅዋዓት፥ ከምኡውን ካብቲ ቐንዲል ንዝወፁ፥ ነቶም ሽዱሽተ ጨናፍር ገበረ። 20ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስል ኣርባዕተ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን ዝመዓጐ ዕምበባን ነበረ። 21ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር ነበረ። እተን ጨናፍር ብዝሐን ሽዱሽተ ነበራ። 22እቲ ዝመዓጐ ዕምበባን ጨናፍርን ምስቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ፅሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።
23ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ፥ መዀስተርን መዋህለሊ ርስሓትን ዘለዎ ሸውዓተ ቕሉዕ ቐንዲል ገበረ። 24ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ንዅሉ ኣቑሑኡን፥ ብሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ።
መሰውኢ ዕጣን
(ዘፀ. 30፡1-5)
25ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ዕጣን ዝትክየሉ መሰውኢ ሰርሐ። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፤ ንውሓቱ ሓደ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ነበረ። ነቲ መሰውኢ ፀሪቡ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ። 26ላዕላዩን ኵሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ድማ ናይ ወርቂ ኸፈፍ ገበረሉ። 27ኣብ ትሕቲ ኸፈፍ ድማ፥ ክልተ ናይ ወርቂ ቐለበት ገበረሉ። መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ገበሮ። እቲ መፃውር ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣጥበቖ። 28ነቲ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ።
29ነቲ ዝቕባእ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን፥ ነቲ ፅሩይ ምዑዝ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይሩ ኣዳለዎ። #ዘፀ. 30፡22-38።
Currently Selected:
ዘፀኣት 37: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: