ዘፀኣት 34
34
ካልኦት ፅላት እምኒ
(ዘዳ. 10፡1-5)
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ። 2ንፅባሕ ንግሆ ድማ ተዳሎ፤ ኣንጊህኻ ኸዓ ናብ እምባ ሲና ደይብ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ድማ ኣብ ቅድመይ ደው በል። 3ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ እምባ ኸዓ ሓደ እኳ ኣይረአ፤ ኣባጊዕን ከፍትን ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኣይውፈራ” በሎ።
4ሙሴ ኸዓ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፀረበ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞውን፥ ንኽልቲአን ፅላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ እምባ ሲና ደየበ።
5እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ። 6እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ፥ 7ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ። #ዘፍ. 20፡5-6፥ ዘሑ. 14፡18፥ ዘዳ. 5፡9-10፥ 7፡9-10።
8ሙሴ ድማ ቐልጢፉ ኣብ ምድሪ ተምበርኪኹ ሰገደ። 9“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
ኪዳን ከም ዝተሓደሰ
(ዘፀ. 23፡14-19፥ ዘዳ. 7፡1-5፥ 16፡1-17)
10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፤ ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ተገይሩ ዘይፈልጥ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእኸሉ ዘለኻ ህዝቢ፥ ግብረይ ግብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ እዩ። 11ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ። 12ኣብ ማእኸልኩም መፈንጠር ከይኾኑስ፥ ምስቶም ኣብታ ንስኻትኩም እትኣትዉዋ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኪዳን ከይትተኣታተዉ ተጠንቀቑ። 13#ዘዳ. 16፡21። መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።”
14“እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገዱ። 15ደድሕሪ ኣማልኽቶም እንትስዕቡን ንኣማልኽቶም ክስውኡ እንተለዉን ከይዕድሙኹም እሞ ኻብ መስዋእቶም ምእንቲ ኸይትበልዑ፥ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፥ ኪዳን ኣይትእተዉ። 16እተን ኣጓላቶም ከዓ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክስዕባ እንተለዋ፥ ንደቅኹም ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከም ዝስዕቡ ኸይገብራኦም፥ ኣጓላቶም ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።”
17“ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።” #ዘፀ. 4፥ ዘሌ. 19፡4፥ ዘዳ. 5፡8፥ 27፡15።
18“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።” #ዘፀ. 12፡14-20፥ ዘሌ. 23፡6-8፥ ዘሑ. 28፡16-25።
19 #
ዘፀ. 13፡2። “ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ ተባዕታይ ዝኾነ በዅሪ እንስሳኹም፥ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ናተይ እዩ። 20#ዘፀ. 13፡13። ንበዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተቤዘውዎ። ክትብዘውዎ እንተ ዘይደሊኹም ግና ኽሳዱ ቘልዕፅዎ፤ ካብ ደቅኹም ከዓ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ተቤዘውዎ።”
“ሓደ እኳ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይረአ።”
21“ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።” #ዘፀ. 20፡9-10፥ 23፡12፥ 31፡15፥ 35፡2፥ ዘሌ. 23፡3፥ ዘዳ. 5፡13-14።
22 #
ዘሌ. 23፡15-21፥ ዘሑ. 28፡26-31፥ ዘሌ. 23፡39-43። “ናይ ሸውዓተ ሱባዔ በዓል ክትገብር ኢኻ፤ ንሱውን መጀመርያ ዓፂድ ስርናይ እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ፥ በዓል ምትሕሳስ ክትገብር ኢኻ።” 23“ኵሉ ተባዕታይኩም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ይረአ። 24ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ፤ ንኣዋሳኒኹም ድማ ኸስፍሖ እየ እሞ፥ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ክትረአዩ ኢልኩም ክትመፁ እንተለኹም፥ ንምድሪኹም ዝምነያ ሰብ ኣይህሉን እዩ።”
25 #
ዘፀ. 12፡10። “ንደም መስዋእተይ ምስ ዝበዅዐ እንጀራ ኣይትሰውኡ፤ ካብቲ ንበዓል ፋሲካ ዝተሓርደ መስዋእቲ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።”
26 #
ዘዳ. 14፡21፥ 26፡2። “እቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድሪኹም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣእትውዎ።”
“ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።”
27እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “በዝ ቓል እዙይ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፥ ነዝ ቓል እዙይ ፀሓፎ” በሎ። 28ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።
ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባረቐ
29ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ፥ ካብ እምባ ሲና ኽወርድ እንተሎ፥ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ፥ ገፁ ኸም ዘንፀባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ። 30ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፥ እንሆ ገፁ የንፀባርቕ ነበረ እሞ፥ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሑ። 31ሙሴ ግና ፀውዖም፤ ኣሮንን ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤልን ድማ ናብኡ ተመለሱ፤ ሙሴ ኸዓ ተዛረቦም። 32ድሕሪዙይ ከዓ ዅሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ዝሃቦ ትእዛዝ ነገሮም።
33ሙሴ ምስኣቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ ገፁ ተጐልበበ። 34ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ክዛረብ ናብ ቅድሚኡ ኽኣቱ እንተሎ፥ ካብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ነቲ ጕልባቡ ይቐልዖ ነበረ። ወፂኡ ኸዓ ነቲ ዝተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ። 35ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባርቕ ረአዩ፤ ሙሴ ኸዓ ምስ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝኣቱ ገፁ ይጕልበብ ነበረ። #ዘፀ. 20፡8-11፥ 23፡12፥ 31፡15፥ 34፡21፥ ዘሌ. 23፡3፥ ዘዳ. 15፡12-14።
Currently Selected:
ዘፀኣት 34: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: