ዘፀኣት 33
33
እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ካብ ሲና ክኸዱ ኸም ዝኣዘዞም
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ። #ዘፍ. 12፡7፥ 26፡3፥ 28፡13። 2ቀቅድሜኹም ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ፤ ንከነዓናውያንን ንኣሞራውያንን ንኬጢያውያንን ንፈሪዛውያንን ንሓዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ክሰጎም እየ። 3ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ ኺዱ። ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ኣብ መንገዲ ምእንቲ ኸየጥፍአኩምስ፥ ምሳኻትኩም ኣይድይብን እየ” በሎ።
4እቶም ህዝቢ ድማ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክጕህዩ ጀመሩ፤ ካብኣቶም ከዓ ሓደ እኳ ገይፂ ዝገበረ ኣይነበረን። 5እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል “ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ንቕፅበት ዓይኒ ምሳኻትኩም እንተ ዝኸይድ፥ ምወዳእኹኹም ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ንኣኻትኩም እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ሽልማትኩም ካባኻትኩም ኣወግዱ” ኢልዎም ነበረሞ። 6ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ።
መራኸቢ ድንኳን
7ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን እናወሰደ፥ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ይተኽሎ ነበረ፤ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ድማ ሰመዮ። ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ኸዓ፥ ካብቲ ሰፈር ወፂኡ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይኸይድ ነበረ፤ 8ሙሴ ናብቲ ድንኳን ኣቢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተሲኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፤ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዝኣቱ ድማ ይጥምቶ ነበረ። 9ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ይዛረቦ ነበረ። 10ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ነቲ ዓምዲ ደመና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ኽሪኦ እንተሎ፥ ተሲኡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ኾይኑ ይሰግድ ነበረ። 11ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ክኸውን ከም ዘተስፈወ
12ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር “እንሆ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ምርሓዮ’ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ንኣኻ ብስምካ ፈለጥኩኻ፤ መሊስካ ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺብካ ኢኻ ኢልካኒ ኔርካ። 13እምበኣር ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ምእንቲ ንኣኻ ፈሊጠ ኣብ ቅድሜኻውን ኵልሻዕ ሞገስ ክረክብስ፥ በይዛኻ መንገድኻ ኣፍልጠኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ከዓ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ዘክር” በሎ።
14እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ምሳኻ ክኸይድ እየ፤ ከዕርፈካውን እየ” በሎ።
15ሙሴ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካስ ካብዙይ ኣይተውፅአና። 16ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ።
17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኢኻ፤ ብስምካውን ፈሊጠካ እየ እሞ፥ እዝ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ” በሎ።
18ሙሴ ኸዓ “እምበኣር፥ በይዛኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” በሎ።
19እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ። #ሮሜ 9፡15። 20ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ። 21እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብዝ ጥቓይ ኣብ ኰዅሒ ደው እትብለሉ ቦታ ኣሎ። 22ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኽገብረካ እየ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከዓ፥ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። 23ሽዑ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ንስኻ ኸዓ ብድሕሪተይ ክትርእየኒ ኢኻ፤ ገፀይ ግና ኣይረአን እዩ” በሎ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 33: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: