ዘፀኣት 35
35
ስርዓት ኣከባብራ ሰንበት
1ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝሃበኩም ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ 2ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል። #ዘፀ. 20፡8-11፥ 23፡12፥ 31፡15፥ 34፡21፥ ዘሌ. 23፡3፥ ዘዳ. 5፡12-14። 3ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ሰፈርኩም ሓዊ እኳ ኣይተንድዱ።”
ናብ መቕደስ ዝቐርብ መባእ
(ዘፀ. 25፡1-9)
4ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ፦ 5ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ቍርባን ኣቕርቡ፤ ናይ ልቢ ፍቓድ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ቍርባን የምፅእ፤ ዝፈቐዶ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥ 6ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን፥ ፀጕሪ ጤል፥ 7ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ቈራብቲ እንስሳ ባሕሪ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥ 8ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን መስርሒ ዝኸውን ቀመማት፥ 9ኣብ ኤፉድን፥ ኣብ የማነ ፀጋም ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ኦኒክስን፥ ካልእ ክቡር እምንን፥ ንእግዚኣብሄር መባእ የምፅእ።
እግዚኣብሄር ዝርከበላ ድንኳን ኣቑሑ
(ዘፀ. 39፡32-43)
10“ኵሎም እቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ጥበበኛታት ይምፅኡ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ፤ 11ነቲ ድንኳን ምስ ዓለባኡን መደረብታኡን ቍልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥ 12ታቦቱን መፃውሩን፥ እቲ ስርየት ዝርከበሉ መኽደንን ዝጋርዶ መጋረጃን፥ 13ሰደቓን እቲ መፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ከምኡ ኸዓ ሕብስቲ ቝርባን፥ 14እቲ ዘብርህ ቀዋሚ ቐንዲልን ኣቑሑኡን፥ መብራህትን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥ 15መሰውኢ ዕጣንን መፃውሩን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን ዝኸውን መጋረጃን፥ 16ነቲ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውእን ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡ ንመፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡ፥ 17መጋረጃታት ቅፅርን ምስ ናይ ኣዕማዱን ኣእጋሩን፥ ከምኡ ኸዓ መጋረጃ ኣፍ ደገ ቕፅሪ፥ 18ሽኻላት ድንኳንን ሽኻላት ቅፅርን ምስ ኣግማዱን፥ 19ነቲ ኻህናት ኣብ መቕደስ ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ኣልባስ፥ ነቲ ካህን ኣሮን ዝለብሶ ቅዱስ ኣልባስን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን ይስርሑ።”
እቶም ህዝቢ ዘምፅእዎ መባእ
20ኵሉ እቲ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ሙሴ ወፀ። 21ኵሉ ልቡ ዝነኽኦ፥ ነፍሲ ወከፍ መንፈሱውን ዘለዓዓሎ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን መስርሒ መባእ ኣምፅአ፤ ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቅዱሳት ኣልባስን ዝኸውን ኣምፅአ። 22ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን መፂኦም፥ ቍልፍታትን ቀለበታት እዝንን ቀለበታት ኣፃብዕትን ኣምባራትን ኵሉ ኣቑሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መባእ ወርቂ ኣቕረበ። 23ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ሃርን ፀጕሪ ጤልን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉን ቈራብቲ እንስሳ ባሕርን ዝነበሮ፥ ኵሉ ሰብ ኣምፅአ። 24ኵሉ ብሩርን ነሃስን ዘቕረበ፥ ከም መባእ ንእግዚኣብሄር ወፈየ። ነፍሲ ወከፍ ዕንፀይቲ ሰራው ዝነበሮ ሰብ፥ ንዝኾነ ስራሕ ኣገልግሎት ክኸውን ኣምፅአ። 25ጥበብ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፥ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ኣምፅኣ። 26ኵለን ድሌትን ጥበብን ዘለወን ኣንስቲ ኸዓ ፀጕሪ ጤል ፈተላ። 27እቶም ኣሕሉቕ ድማ ኦኒክስን፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝዛነቕ ክቡር ኣእማንን፥ 28ንመብራህትን ንመቕብኢ ዘይትን ንምዑዝ ዕጣን ዝኸውን፥ ቀመማትን ዘይትን ኣምፅኡ። 29ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ እስራኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ኢሉ ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ልቡ ዝፈቐዶ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር መባእ ኣምፅአ።
ሰራሕቲ ናይታ እግዚኣብሄር ዝርከበላ ድንኳን
(ዘፀ. 31፡1-11)
30ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ረአዩ፥ እግዚኣብሄር ንባስልኤል ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሁር፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ሓረዮ። 31ንእኡ ድማ ብመንፈሱ መልኦ፤ ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ኽኽእል ከዓ፥ ጥበብን ፍልጠትን ክእለትን ሃቦ። 32ብብልሓት ንምብልሓት፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ንምስራሕ፥ 33ዝዛነቕ ኣእማን ንምቕራፅን ዕንፀይቲ ንምፅራብን፥ ኵሉ ዓይነት ናይ ስራሕ ብልሓት፥ 34ንእኡን ንኤልያብ፥ ወዲ ኣሂሳሚክ ካብ ነገድ ዳንን፥ ንኻልኦት ክምህሩ ኽእለት ሃቦም። 35ንኣኣቶም ኵሉ ስራሕ ብልሓትን ምቕራፅን ንምስራሕ፥ ካብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ከዓ፥ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን፥ ንስራሕ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ስራሕ ብብልሓት ንምሕሳብን፥ ብጥበባት መልኦም።”
Currently Selected:
ዘፀኣት 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: