ዘፀኣት 18
18
ዮቶር ናብ ሙሴ ኸም ዝኸደ
1ዮቶር፥ ካህን ምድያም ሓሙ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ኵሉ ዝገበሮን፥ እግዚኣብሄርውን ካብ ግብፂ ንእስራኤል ከም ዘውፅኦምን ሰምዐ። 2ንሲፖራ ሰበይቲ ሙሴ፥ ናብ ኣቦኣ ዮቶር ሰዲድዋ ነበረሞ፥ 3#ዘፀ. 2፡21-22። ሽዑ ምስ ክልቲኦም ደቃ ሒዙሉ መፀ። ሙሴ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ወዱ “ጌርሳም” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። #ግ.ሓ. 7፡29። 4“ኣምላኽ ኣቦይ ረድአኒ፤ ካብ ሰይፊ ፈርዖን ኣድሓነኒ” እንትብል ድማ ነቲ ኻልኣይ ወዱ “ኣልኣዛር” ኢሉ ሰመዮ።
5ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ። 6ንሙሴ ድማ “ኣነ ዮቶር ሓሙኻ ንሰበይትኻን ንኽልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ።
7ሙሴ ኸዓ ንሓሙኡ ኽቕበሎ ወፀ፤ ሰገደሉ፤ ሰዓሞውን። ደሓን ምህላዎም ንስንሳቶም ምስ ተጠያየቑ ድማ፥ ናብ ድንኳን ኣተዉ። 8ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
9ዮቶር ድማ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕን ኢሉ ዝገበሮ ፅቡቕ ነገር ተሓጐሰ። 10ቀፂሉ ዮቶር “እቲ ኻብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ፈርዖንን ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ይመስገን። እቲ ንህዝቡ ኻብ ኢድ ግብፃውያን ዘድሓነ እግዚኣብሄር ይመስገን። 11ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ። 12ድሕሪዙይ ሓሙ ሙሴ ዮቶር፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሕሩድን ንእግዚኣብሄር ወሰደ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ምስ ሓሙ ሙሴ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዑ መፁ።
ዳያኑ ኸም ዝተሸሙ
(ዘዳ. 11፡9-18)
13ንፅባሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኽፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ወዓለ። 14ሓሙኡ ኸዓ፥ እቲ ሙሴ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ “እዝ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? ስለ ምንታይከ ኢኻ፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ እንተሎ፥ ንስኻ በይንኻ ኽትፈርድ እትቕመጥ?” በሎ።
15ሙሴ ድማ ንሓሙኡ “እቲ ህዝቢ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክጥይቕ ናባይ ስለ ዝመፅእ እዩ። 16ክልተ ሰብ፥ ነገር እንትህልዎምውን ናባይ ይመፁ፤ ኣነውን ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ብፃዩን እፈርድ፤ ናይ እግዚኣብሄር ስርዓትን ሕግጋትን ድማ እነግሮም” ኢሉ መለሰሉ።
17ዮቶር ድማ ንሙሴ “እዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። 18ንስኻን እዝ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፤ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ የመና ኸቢድ እዩ እሞ፥ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። 19ሕዚ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፤ ክመኽረካ ቓለይ ስማዕ፦ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተወካሊ ህዝቢ ኹን፤ ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሐሎም። 20ስርዓታትን ሕግጋትን መሃሮም፤ ከመይ ኢሎም ከም ዝነብሩን እንታይ ክገብሩ ኸም ዝግብኦምንውን ንገሮም። 21ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም። 22ኵልሻዕ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ዓብዪ ነገር ዝኾነ ዅሉ ናባኻ የምፅእዎ። ንእሽተይ ነገር ዝኾነ ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። ነቲ ሸኽሚ እንተ ኣፃወሩኻ ኸዓ ንኣኻ ይቐለልካ። 23እዝ ነገርዙይ እንተ ገበርካ፥ እዙይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾነ፥ ኣይትደክምን ኢኻ። ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሓጒሱ ናብ ገዛኡ ኽምለስ እዩ” በሎ።
24ሙሴ ድማ ቓል ዮቶር ሰሚዑ፥ ኵሉ ዝበሎ ገበረ። 25ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት መሪፁ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቓ ክኾኑ፥ ሓለቓ ሽሕን፥ ሓለቓ ሚእትን፥ ሓለቓ ሓምሳን፥ ሓለቓ ዓሰርተን ገይሩ ሾሞም። 26ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ዅልሻዕ ይፈርድዎ ነበሩ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸዓ፥ ናብ ሙሴ የምፅእዎ ነበሩ። እቲ ንእሽተይ ዝኾነ ነገር ግና ንሳቶም ይፈርድዎ ነበሩ።
27ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ኣፋነዎ፤ ዮቶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in