ዘፀኣት 19
19
እስራኤላውያን ኣብ ደብረ ሲና
1ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። 2ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ መንፅር እቲ እምባውን ሰፈሩ። 3ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ እምባ ፀዊዑ “ንቤት ያእቆብ ከምዙይ በል፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ንገር፦ 4እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። 5#ዘዳ. 4፡20፥ 7፡6፥ 14፡2፥ 26፡18፥ ቲቶ 2፡14። ሕዚ ድማ ንቓለይ እንተ ተኣዚዝኩም፥ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሕልፊ ገንዘበይ ክትኮኑኒ ኢኹም። ኵላ ምድሪ እኳ ናተይ እንተ ኾነት፥ 6#1 ጴጥ. 2፡9። ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትነግሮም ቃል እዙይ እዩ” በሎ። #ራእይ 1፡6፥ 5፡10።
7ሙሴ ድማ ተመሊሱ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ ፀውዖም፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ቓልውን ኣብ ቅድሚኣቶም ተናገረ። 8ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ።
9እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ።
ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። 10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፤ ሎምን ፅባሕን ቀድሶም፤ ክዳውንቶም ከዓ ይሕፀቡ። 11በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ። 12ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ። 13#ዕብ. 12፡18-20። ሓደ እኳ ብኢድ እንተ ነኽኦ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ወይ ከዓ ብፍላፃ ይቀተል፤ ሓደ እኳ ብኢድ ኣይንክኣዮ፤ እንስሳ ይኹን ሰብ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ተነፍሐ ጥራሕ ናብቲ እምባ ይደይቡ” በሎ።
14ሙሴ ድማ ኻብቲ እምባ ናብቲ ህዝቢ ወረደ፤ ነቲ ህዝቢ ኸዓ ቐደሶ፤ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓፀቡ። 15ነቶም ህዝቢ ድማ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፤ ናብ ሰበይቲ ኸዓ ኣይትቕረቡ” በሎም።
16 #
ራእይ 4፡5። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ እንተሎ ኸዓ፥ ነጐድጓድን መብረቕን ከቢድ ደመናን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተርኣየ፤ የመና ብርቱዕ ድምፂ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተንቀጥቀጠ። 17ሙሴ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ክራኸብ፥ ካብ ሰፈር መሪሑ ኣውፅኦ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ደው በሉ። 18እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፥ ኵሉ እምባ ሲና ይትኪ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ኸም ትኪ እቶን ዝበለ ትኪ ዓረገ። ኵሉ እቲ እምባ የመና ተናወፀ። 19እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ #19፡19 ብድምፂ፦ ወይ “ብቓሉ” መለሰሉ።
20እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ልዕሊ እምባ ሲና፥ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ወረደ። ንሙሴ ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ፀውዖ፤ ሙሴ ኸዓ ደየበ። 21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም። 22እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ።
23ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር “ንስኻ፥ ‘ኣብ ዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበር፤ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እምባ ይኹን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፥ እቶም ህዝቢ ናብ እምባ ሲና ኽድይቡ ኣይኽእሉን እዮም” በሎ።
24እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ ውረድ እሞ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካዮ ደይብ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ክድይቡ ኢሎም ወሰን ከይጥሕሱ ኸልክሎም” በሎ።
25ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነዙይ ነገሮም።
Currently Selected:
ዘፀኣት 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in