ዘፀኣት 1
1
ደቂ እስራኤል ኣብ ግብፂ ኸም ዝተገፍዑ
1ስም ነፍሲ ወከፍ እቶም መምስ ቤተ ሰቦም፥ ምስ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል እዙይ እዩ፦ 2ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ 3ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥ 4#ዘፍ. 46፡8-27። ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር። 5ካብ ኣብራኽ ያእቆብ ዝተወለዱ ዅላቶም ሰብዓ #1፡5 ዘፍ. 46፡27 ረአ። ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ግና ኣቐዲሙ ኣብ ግብፂ ነበረ። 6ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ። 7#ግ.ሓ. 7፡17። እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት።
8 #
ግ.ሓ. 7፡18። ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ። 9ንሱ ድማ ንህዝቡ፥ “እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን። 10#ግ.ሓ. 7፡19። እምበኣርከስ ውግእ ምስ ዘልዕለልና ፀላኢ፥ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ከይወግኡና ኻብ እዛ ምድሪ እውን ከይወፁ፥ ንዑ የመና እንተይበዝሑ ንጣበበሎም” በሎም። 11ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ። 12ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ። 13ግብፃውያንውን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣስርሕዎም። 14ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ።
15ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦ 16“ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን። 17እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን። 18እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።
19እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ። 20እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ። 21እተን መዋለድቲ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣባይቲ ገበረለን። 22#ግ.ሓ. 7፡19። ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን #1፡22 ገሊኡ ብራናታት “ካብ ዕብራውያን” ኣይብልን። ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in