ዘፀኣት 2
2
ሙሴ ኸም ዝተወልደ
1ሓደ ኻብ ነገድ ሌዊ ዝኾነ ሰብኣይ፥ ከይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ። 2#ግ.ሓ. 7፡20፥ ዕብ. 11፡23። እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እቲ ህፃን ፅቡቕ ምዃኑ ምስ ረአየት ከዓ፥ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ። 3ካብዙይ ንደሓር ምሕብኡ ምስ ሰኣነት፥ ብሻምብቆ ዝተሰርሐ ሓደ ሳፁን ወሲዳ ብቕጥራንን ብእንዳዲዕን ለበጠቶ። ነቲ ህፃን ናብኡ ኣእትያ ድማ ኣብቲ ገምገም ሩባ ኣብ ዘሎ ሰልሰላ ኣንበረቶ። 4ሓፍቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።
5ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ። 6ምስ ከፈተቶ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ እቲ ህፃን ይበኪ ስለ ዝነበረ ኸዓ ራህርሀትሉ እሞ “እዙይ ካብ ህፃናት ዕብራውያን እዩ” በለት።
7ሽዑ እታ ሓፍቱ፥ ነታ ጓል ፈርዖን “ካብተን ዕብራውያት ኣንስቲ፥ ነዝ ህፃን እዙይ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽፅውዐልኪ ክኸይድ?” በለታ። 8እታ ጓል ፈርዖን ከዓ “ኪዲ” በለታ። እታ ጓል ድማ ኸይዳ፥ ንእኖ እቲ ህፃን ፀውዐታ። 9እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ። 10#ግ.ሓ. 7፡21። እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።
ሙሴ ናብ ምድያም ከም ዝሃደመ
11 #
ዕብ. 11፡24። በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ናብ ኣሕዋቱ ኸይዱ ነቲ ብርቱዕ ፃዕሮም ረአየ። ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ፥ ካብቶም ወገናቱ ንዝኾነ ሓደ ዕብራዊ፥ ክወቕዖ እንተሎ ረአየ። 12ናብዙይን ናብቱይን ግልፅ ኢሉ፥ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ረአየ፥ ነቲ ግብፃዊ ቐተሎ፤ ኣብ ሑፃውን ደፈኖ። 13ንፅባሒቱ ድማ ወፀ፤ እንሆ ዕብራውያን ዝኾኑ ኽልተ ሰብኡት ክበኣሱ እንተለዉ ረአየ። ነቲ ዝዕምፅ ዝነበረ ኸዓ “ስለ ምንታይ ንሓውካ ትወቕዖ?” ኢሉ ጠየቖ።
14 #
ግ.ሓ. 7፡23-28። ንሱ ድማ “ሓለቓን ፈራዲን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ዝሸመካ መን እዩ? ንስኻ ኸምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?” በሎ። ሽዑ ሙሴ “እቲ ዝገበርክዎ ብርግፅ ተፈሊጡ እዩ” ኢሉ ፈርሐ።
15 #
ግ.ሓ. 7፡29፥ ዕብ. 11፡27። ፈርዖን ከዓ እዝ ነገርዙይ ሰሚዑ ንሙሴ ኽቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሃዲሙ፤ ናብ ምድሪ ምድያም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ ኣብ ጥቓ ሓደ ዒላ ኮፍ በለ። 16ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። 17ጓሶት ድማ መፂኦም ሰጐጕወን፤ ሙሴ ግና ተሲኡ ኣናገፈን፤ ኣባጊዐን ድማ ኣስተየለን። 18ናብ ኣቦአን ራጉኤል #2፡18 ራጉኤል፦ ሓሙ ሙሴ፥ ኣብ ገሊኡ “ዮቶር” ተብሂሉ ኣሎ። ምስ ተመልሳ ኸዓ፥ ንሱ “ሎምስ ከመይ ኢልክን ደኣ ቐልጢፍክን መፂእኽን?” በለን።
19ንሳተን ድማ፥ “ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናገፈና፤ ማይ ቀዲሑ ኸዓ ነባጊዕና ኣስተየልና” በላኦ።
20ኣቦአን ድማ ነተን ኣጓላት “ኣበይ ደኣ ኣሎ? ስለ ምንታይከ ነቲ ሰብ እቱይ ሓደግክናኦ? ሕዚ እውን እንጀራ ኽበልዕ ኺዳ ፀውዓኦ” በለን።
21ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ። 22ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ኸዓ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” እንትብል ጌርሳም ዝብል ስም ኣውፅአሉ።
23ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ። 24#ዘፍ. 15፡13-14። እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ። 25እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in