ኣስቴር 4
4
መርዶክዮስ ሓገዝ ኣስቴር ከም ዝደለየ
1መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ። 2ወጮ ተኸዲንካ ብኣፍ ደገ ንጉስ ምእታው ዘይግባእ እኳ እንተ ነበረ፥ ንሱ ግና ኽሳዕ ኣፍ ደገ ንጉስ መፀ። 3ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።
4ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባት ሓለውታን ድማ ናብኣ መፂኦም እዝ ነገር እዙይ ነገርዋ። ሽዑ ኣስቴር የመና ሓዘነት፤ ንመርዶክዮስ ከዓ ኽንዲ ወጮ ኽዳን ክኽደን ሰደደትሉ፤ ግና ኣይተቐበላን። 5ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ።
6ኣክራትዮስ ድማ ናብ መርዶክዮስ፥ ናብታ ቕድሚ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ኣደባባይ እታ ኸተማ ወፀ። 7መርዶክዮስ ከዓ እቲ ንእኡ ዝወረዶ ዅሉ ነገርን፥ ሃማ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ከእትዎ ኢሉ ዝመዘኖ ቝፅሪ እቲ ገንዘብን ነገሮ። 8እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳ ዝተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ኣትያ ድማ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኢሉ ንኣክራትዮስ ሃቦ።
9ኣክራትዮስ ድማ ናብ ኣስቴር መፂኡ፥ መርዶክዮስ ዝበሎ ነገራ። 10ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ንመርዶክዮስ ከምዙይ ኢሉ ኽነግሮ ኣዘዘቶ፦ 11“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።
12ዘረባ ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ነገሮ። 13መርዶክዮስ ድማ ንኣክራትዮስ፥ ኪድሞ ንኣስቴር ከምዙይ በላ በሎ፦ “ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘለኺ፥ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፥ ንበይንኺ ኽድሕን እየ ኢልኪ ኣይትሕሰቢ። 14በዝ ጊዜ እዙይ ስቕ እንተ በልኪ፥ ንኣይሁድ ሓገዝን ድሕነትን ካብ ኻልእ ቦታ ኽመፅእ እዩ፤ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ኽትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዙይ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መፂእኺ እንተ ኾንኪኸ፥ መን ይፈልጥ?”
15ሽዑ ኣስቴር ንመርዶክዮስ፦ 16“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።
17መርዶክዮስ ከዓ ኸይዱ፥ ከምቲ ኣስቴር ዝኣዘዘቶ ዅሉ ገበረ።
Currently Selected:
ኣስቴር 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in