YouVersion Logo
Search Icon

ኣስቴር 2

2
ኣስቴር ከም ዝነገሰት
1ድሕሪዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ ካብ ኵራኡ ምስ ዘሓለ፥ ንኣስጢንን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈረዶ ነገርን ሓሰበ። 2ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ “ንንጉስ ፅቡቕ ዝመልክዐን ደናግል ኣጓላት ንድለየሉ። 3እቲ ንጉስ መልክዐን ዝፀበቓ ዅለን ደናግል ናብ ከተማ ሱሳ ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፥ እቲ ስሉብ ሓሽከር ንጉስ ሓላዊ ኣንስቲ፥ ዝእክብወን ሹመኛታት ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስትኻ ይምረፁ። ቅብኣትን ንፅባቐ ዘድልን ከዓ ይወሃበን። 4ነቲ ንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኽንዲ ኣስጢን ንግስቲ ትኹን” በሉ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ ኸምኡ ገበረ።
5ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ። 6#2 ነገ. 24፡10-16፥ 2 ዜና. 36፡10። መርዶክዮስ ምስቶም ምስ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ዝተማረኹ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዝማረኾ ነበረ። 7ንሱ፥ ኣስቴር ንዝተብሃለት ሃዳሳ፥ ጓል ሓወቦኡ ነበረቶ። እታ ጓል እቲኣ የመና ምልክዕቲ ነበረት፤ ንምርኣያ ድማ ፅብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ኸዓ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።
8ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዐ፥ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናብ ከተማ ሱሳ፥ ብዙሓት ቈናጁ ተኣከባ። ንኣስቴርውን ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላዊ ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምፅእዋ። 9ኣስቴር ድማ ንሄጋይ ደስ ኣበለቶ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንፅባቐ ዘድልያን፥ ዝግብኣ ምግብን፥ ካብ ቤት ንጉስ ዝተመደባላ ሸውዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንኣኣን ነግራዳን ድማ ኻብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለፀ ቤት ኣእተዋ።
10መርዶክዮስ፥ ኣይትንገሪ፥ ኢሉ ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፥ ኣስቴር ህዝባን ዓሌታን ኣይነገረትን። 11መርዶክዮስ ከዓ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዝገብርዋን ክፈልጥ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።
12ሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ቅድሚ ምእታዋ ኸም ስርዓት ኣንስቲ ኽትዳሎ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ የድልያ ነበረ፦ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፥ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ እናተቐብአት ትዳሎ ነበረት። 13ድሕሪዙይ እታ ቘንጆ ናብ ንጉስ ክትኣቱ እንተላ፥ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ዅሉ ዘድልያ ይወሃባ ነበረ። 14እታ ጓል፥ ምሸት ትኸይድ ነበረት፤ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፥ ኣብታ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ፥ ናብ ጋይ፥ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ወሰኑ፥ ትኸይድ ነበረት። ንጉስ እንተ ዘይደለያን፥ ብስማውን እንተ ዘይፀውዓን፥ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።
15ኣስቴር እታ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ጓል ኣቢካኢል ሓወቦኡ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ፥ ብዘይ ሄጌ፥ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ዝበላ ኻልእ ነገር ኣይደለየትን። ኣስቴር ከዓ በቶም ብዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅሎም ፍትውቲ ነበረት። 16ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ ብዓስረይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ጤቤት፥ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ። 17ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊፁ ፈተዋ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑውን ሕልፊ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቱ ደፍአላ፤ ክንዲ ኣስጢን ድማ ንግስቲ ኾነት። 18ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹመኛታቱን ንሓሻኽሩን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። እቲ ድግስ እቱይ ከዓ ንኽብሪ ኣስቴር ነበረ እሞ፥ ኣብታ ሃገር በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግስነት ንጉስውን ውህብቶታት ሃበ።
መርዶክዮስ ንንጉስ ከም ዘድሓኖ
19በቲ እዋን እቱይ መርዶክዮስ ብንጉስ ተሸይሙ ነበረ። 20ኣስቴር ከዓ ኸምቲ ምስኡ ተዓቚባ እንተላ ንመርዶክዮስ እትእዘዞ ዝነበረት፥ ከምቲ መርዶክዮስ ዝኣዘዛ፥ ዓሌታን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።
21በተን መዓልቲታት እቲኣተን መርዶክዮስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ሽመቱ እንተሎ፥ ቢግታንን ቴረሽን ዝበሃሉ ኻብቶም ነቲ ደገ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኽልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ከልዕሉ ደለዩ። 22መርዶክዮስ ነቲ ነገር ፈለጦ፤ ንንግስቲ ኣስቴር ከዓ ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም መርዶክዮስ ንንጉስ ነገረቶ። 23እቲ ነገር ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኽበ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ኦም ተሰቐሉ። እዙይውን ብትእዛዝ ንጉስ ኣብ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፈ።

Currently Selected:

ኣስቴር 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in