ኣስቴር 1
1
ንግስቲ ኣስጢን ንንጉስ ኣርጤክስስ ከም ዝነዓቐቶ
1-2 #
እዝራ 4፡6። ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ኣብ ሱሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ነተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት ይገዝእ ነበረ። 3ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ንዅሎም ዓበይትን ሹመኛታቱን፥ ንመራሕቲ ሰራዊት ፋርስን ሜዶንን፥ ነቶም ገዛእቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም።
4ሽዑ ንሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ሃብቲ እቲ ኽብሪ መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉፅ ግርማኡን ኣርኣዮም። 5እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ሓለፋ፥ እቲ ንጉስ ንዅሎም ነቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝነበሩ ህዝቢ ድኻን ሃብታምን እንተይፈለየ ኣብ ማእኸል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም። 6ኣብ መካበብያ ኣታኽልቲ፥ ፃዕዳን ሓምለዋይን ሰማያውን መጋረጃታት፥ ብፃዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተኣሲሩ፥ ብቐለበታት ብሩር ተንጠልጢሉ፥ ኣብ ልዕሊ ኣዕምዲ እብነ በረድ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብፃዕዳ እብነ በረድን ብሉልን ብፀሊም እብነ በረድን ዝተኸድነ፥ ምድሪ ቤት ከዓ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ። 7እቲ መስተታት ድማ ብኣቑሑ ወርቂ ይቐርብ ነበረ፤ እቲ ኣቑሑ ኸዓ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ድማ ኸም ልግሲ ንጉስ የመና ብዙሕ ነበረ። 8ንጉስ ከዓ ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኽሰቲ እምበር፥ ንሓደ እኳ ኸይኸልእዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፥ እቲ ምስታይ ከም ድሌትካ ነበረ።
9ንግስቲ ኣስጢን ድማ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነንስቲ ምሳሕ ገበረትለን።
10ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ንጉስ፥ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፤ ንምሁማን፥ ንባዛን፥ ንሓርቦናን፥ ንገበታን፥ ንዘቶልታን፥ ንዜታርን፥ ንከርከስን፥ ነቶም ዘገልግልዎ ሸውዓተ ስሉባት ፀውዖም። 11ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም። 12እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።
13ንንጉስ፥ ሕግን ስርዓትን ብዝምልከት ነገር ከጋጥሞ እንተሎ፥ ነቶም ፈላጣት ሕግን ስርዓትን ፀዊዕኻ ምጥያቕ ልሙድ ነበረ እሞ፥ ሽዑ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ ፀዊዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ጠየቖም። 14እቶም ብዙሕ ጊዜ ንጉስ ምኽሪ ዝጥይቖም ዝነበረ ኸዓ ኻርሽና፥ ሼታር፥ ኣድማታ፥ ተርሺሽ፥ ሜረስ፥ ማርስና፥ መሙካን ነበሩ። እዚኣቶም ኵልሻዕ ኣብ ጥቓ ንጉስ ዝቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮምን ሸውዓተ ሹመኛታት ፋርስን ሜዶንን እዮም።
15“ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን በቶም ስሉባት ገይረ ዝኣዘዝክዋ ስለ ዘይገበረት ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር?” ኢሉ ጠየቖም።
16መሙካን ከዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታትን፦ “ንግስቲ ኣስጢን ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣትካ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን እያ ዝበደለት እምበር፥ ንኣኻ ንንጉስ ጥራሕ ኣይኮነትን ዝበደለት። 17እዝ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር፥ ኵለን ኣንስቲ ኽሰምዓኦ እየን እሞ ‘ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን ናብኡ ኸምፅእዋ ኣዘዘ፤ ግና ኣይመፀትን’ እናበላ ንሰብኡተን ክንዕቓኦም እየን። 18ሎሚ ድማ ወይዘራዝር ፋርስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፥ ንዅላቶም ሹመኛታት ንጉስ ከምኡ ኽብላኦም እየን እሞ፥ ብዙሕ ንዕቐትን ባእስን ክፍጠር እዩ።
19“ኦ ንጉስ፥ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ኣውፅእ፤ ከም ዘይልወጥውን ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይፀሓፍ። ደጊም ኣስጢን ናብ ቅድሜኻ ኣይትእቶ፤ ንጉስ ድማ እቲ ናይ ንግስቲ መዓርግ ንኻልእ፥ ካብአ ንእትሓይሽ ሃባ። 20ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ኵላ እዛ ገፋሕ መንግስትኻ ምስ ተሰምዐ ኸዓ ዅላተን ኣንስቲ ንሰብኡተን፥ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከኽብራኦም እየን” በለ።
21እዝ ምኽሪ እዙይ ድማ ንንጉስን ንሹመኛታቱን ደስ ኣበሎም እሞ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ። 22ኣብ ኵለን ግዝኣቱ ድማ እቲ ንጉስ ንዅሉ ሃገር ከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኸዓ በብቛንቋኡ መልእኽቲ ሰደደ። እተን መልእኽትታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ኽመልኽ ዝእዝዛ ነበራ።
Currently Selected:
ኣስቴር 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: