YouVersion Logo
Search Icon

ኣስቴር 3

3
ሃማ ንኣይሁድ ከጥፍኦም ከም ዝሓሰበ
1ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን። 2እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ዅላቶም ሹመኛታት ድማ ንሃማ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። እዙይ ከዓ እቲ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። መርዶክዮስ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን።
3እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ። 4መዓልቲ መዓልቲ እውን ከምኡ እናበሉ የትክርዎ ነበሩ። ንሱ ግና ምስማዕ ኣበዮም። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ሃማ ንግብሪ መርዶክዮስ ሸለል ዝብሎ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንሃማ ነገርዎ።
5ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ። 6መርዶክዮስ ኣይሁዳዊ ኸም ዝኾነ ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ኢዱ ኽዝርግሕ፥ ኣብ ዓይኑ ዝተንዓቐ ኾይኑ ተርኣዮ፤ ስለዙይ ሃማ ንህዝቢ መርዶክዮስ፥ ነቶም ኣብ ኵላ መንግስቲ ኣርጤክስስ ዝነበሩ ንዅላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ።
7ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።
8ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ። 9ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ።
10ሽዑ ንጉስ ነታ ማሕተም ዘለዋ ቐለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ንሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላኢ ኣይሁድ ሃቦ። 11ንጉስ ከዓ ንሃማ “ዝደለኻዮ ኽትገብርስ፥ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተውሂቡ እዩ” በሎ።
12ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ። 13ብሓንቲ መዓልቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ብወርሒ ኣዳር፥ ንዅላቶም ኣይሁድ፥ ነጕባዝን ንኣረጋውያንን፥ ንህፃናትን ንኣንስትን፥ ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ድማ ኽዘምቱን መልእኽትታት ብፈጣናት ፈረሰኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ንጉስ ሰደዱ። 14ነታ መዓልቲ እቲኣ ተዳልዮም ምእንቲ ኽፀንሑ ድማ፥ ቅዳሕ እቲ ኣዋጅ፥ ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵሎም ህዝብታትን ከም ዝበፅሕ ገበሩ።
15እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ከተማ ሱሳ ተነግረ። እቶም ፈረሰኛታት ከዓ ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ናብ ኵለን ሃገራት ከዱ። ንጉስን ሃማን ድማ ኾፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ፤ ከተማ ሱሳ ግና ደንገፀት።

Currently Selected:

ኣስቴር 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in