YouVersion Logo
Search Icon

ኤፌሶን 3

3
ስራሕ ጳውሎስ ኣብ ኣህዛብ
1ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ፥ ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ።
2ብርግፅ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ፀጋ፥ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም። 3#ሮሜ 1፡5፥ ገላ. 1፡12፥ ቈላ. 1፡25። ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ። 4#1 ቆሮ. 2፡16። ነቲ ዝፀሓፍኩዎ እንትተንብቡ፥ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘለኒ ፍልጠት፥ ክተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። 5#ቈላ. 1፡26-27። እዙይ ከምቲ ሕዚ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነቢያቱን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለፀሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ትውልዲ ኣይተገለፀሎምን። 6#ማቴ. 8፡11፥ ገላ. 3፡14፥ ኤፌ. 2፡13፥19። እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።
7 # ቈላ. 1፡25። ኣነ ኸዓ በቲ ኣሰራርሓ ሓይሉ ዝተዓደለኒ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣገልጋሊ ኾንኩ። 8#ግ.ሓ. 9፡15፥ 1 ቆሮ. 15፡9። ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ። 9#1 ቆሮ. 2፡7፥ ቈላ. 1፡16። እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ። 10-11#ሮሜ 11፡33። እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ። 12#ኤፌ. 2፡18። ንሕናውን ብእኡ ብክርስቶስ ብምእማን፥ ብትብዓትን ብእምነትን፥ ምእንቲ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ክንኽእል እዩ። 13#ቈላ. 1፡24። ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።
ጳውሎስ ዝፀለዮ ፀሎት
14-15ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ። 16#2 ቆሮ. 4፡16። ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እፅሊ ኣለኹ። 17#ዮሓ. 14፡23። ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ 18ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ 19ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
20እምበኣር፥ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን፥ እምብዛ ኣብዚሑ ኽገብር ንዝከኣሎ፥ 21ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Currently Selected:

ኤፌሶን 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in