ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እፅሊ ኣለኹ። ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።