ኤፌሶን 2
2
ብክርስቶስ ህያው ምዃን
1ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም። 2#ቈላ. 1፡21፥ 2፡13፥ 1 ጴጥ. 1፡14። ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም። 3#ሮሜ 2፡8፥ ቈላ. 3፡6-7፥ ቲቶ 3፡3። ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና። 4ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ 5#ቲቶ 3፡4-5፥ 1 ጴጥ. 1፡3፥ ሮሜ 5፡8። ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ። 6#ኤፌ. 1፡3፥20። እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና። 7እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ። 8#ገላ. 2፡16፥ 2 ጢሞ. 1፡9። ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን። 9ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን። 10#ቲቶ 2፡14። ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ኵልና ብክርስቶስ ሓደ ኢና
11እምበኣር ንስኻትኩም፥ ቀደም ብትውልድኻትኩም ኣህዛብ ዝነበርኩም፥ እቶም “ግሩዛት” በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘት ብምምካሕ፥ “ዘይግሩዛት” ኢሎም ይፅውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ። 12#ገላ. 4፡8። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ፥ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። 13#ዕብ. 10፡19፥ 1 ጴጥ. 2፡10። ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም። 14#ዮሓ. 10፡16፥ ግ.ሓ. 10፡36፥ ሮሜ 5፡1፥ ቈላ. 1፡20። ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ንሱ ሰላምና እዩ እሞ። 15#2 ቆሮ. 5፡17፥ ቈላ. 2፡14። ነቶም ክልተ ዝነበሩ፥ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን፥ ብስጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ። 16#2 ቆሮ. 5፡18። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፥ ነቲ ፅልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ፥ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣተዓረቖም። 17#ኢሳ. 57፡19፥ ዮሓ. 14፡6፥ 1 ቆሮ. 12፡13። መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ። 18ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።
19-20 #
ማቴ. 21፡42፥ 1 ቆሮ. 3፡11፥ ራእይ 21፡14። እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን። 21#ኤፌ. 4፡16። እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ። 22#1 ቆሮ. 3፡16፥ 1 ጴጥ. 2፡5። ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
Currently Selected:
ኤፌሶን 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in