YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም መእተዊ

መእተዊ
ኦሪት ዘዳግም፥ ህዝቢ እስራኤል ድሕሪ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞ፥ ናብ ከነዓን ቅድሚ ምእታዎም፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሙሴ ዝሃቦም ቃል ዝሓዘ መፅሓፍ እዩ።
ካብተን ሙሴ ዝበለን ዋና ዋና ሓሳባት እዚኣተን እየን፦
1. በተን ዝሓለፋ ኣርብዓ ዓመታት ዝኾነ ዓብዪ ነገር ዘኪሩ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝመርሖም ከይርስዑ የዘኻኽሮም፤ እሙናትን እዙዛትን ኮይኖም ክነብሩ ኸዓ ይምዕዶም።
2. ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ጠቒሱ፥ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ የረድኦም፤ ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ከም ዘምልኹ ድማ ሓደራ ይብሎም። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ዝምርሑለን ሕግታት እናጠቐሰ ኸዓ ይገልፀሎም።
3. ነቲ እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ዝኣተዎ ኺዳን ሓሳቡ እናተርጐመ ይገልፀሎም፤ እምነቶም ከሕድሱ ድማ የዘኻኽሮም።
4. ኢያሱ፥ ድሕሪ ሙሴ መራሒ ህዝቢ እግዚኣብሄር ክኸውን ይሽየም። ሙሴ ንእግዚኣብሄር ዝውድስ መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመረ፥ ንነገዳት እስራኤል ድማ ምስ ባረኾም፥ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ይመውት።
ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘሎ ዓብዪ ትምህርቲ፦ እግዚኣብሄር ነቶም ዝሓረዮምን ዝፈተዎምን ህዝቢ ኸም ዘድሓኖምን ከም ዝባረኾምን፥ ንሳቶም ድማ ኣብ ትሕቲ በረኸት እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ኵልሻዕ ነዙይ ክዝክርዎን ንእግዚኣብሄር ከፍቅርዎን ክእዘዝዎን ሓደራ ይብል።
ኣብ ምዕራፍ 6፡4-6 ዘለዋ ቓላት ዓብዪ ቑም ነገር ዝሓዛ እየን። ንሳተን ኢየሱስ ብዛዕባ እታ ኻብ ኵለን ትእዛዛት ዝዓበየት ትእዛዝ ክዛረብ እንተሎ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ፍተዎ” ዝበለን ቃላት እየን።
ትሕዝቶ
1. ሙሴ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ዘረባ 1፡1-4፡49
2. ሙሴ ዝገበሮ ኻልኣይ ዘረባ 5፡1-26፡19
1) ዓሰርተ ትእዛዛት 5፡1-10፡22
2) ሕግታት፥ ስርዓታት፥ ስምዕታ 11፡1-26፡19
3. ምድሪ ከነዓን ቅድሚ ምእታዎም ዝተውሃቦም ትእዛዝ 27፡1-28፡68
4. ምሕዳስ ኪዳን 29፡1-30፡20
5. ሙሴ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዘረባ 31፡1-33፡29
6. ሞት ሙሴ 34፡1-12

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in