ዘሑልቍ 36
36
ርስቲ ናይ ዝተመርዐዋ ኣንስቲ
1መራሕቲ ዓሌት ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ መፁ፤ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት፥ መራሕቲ ዓሌት ደቂ እስራኤልን ከዓ ተዛረቡ። 2“እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ብዕፃ ኽትህቦም ኣዘዘካ። ከምኡውን ንርስቲ ሰለጵአድ ሓውና፥ ነጓላቱ ኽትህበን ኣዘዘካ። 3ንሳተን ናብ ሓደ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት እስራኤል እንተ ተመርዓዋ፥ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽውሰድ እዩ፤ ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ድማ ኽውሰኽ እዩ። በዝ ኸምዙይ ካብቲ ብዕፃ ዝወረስናዮ ርስቲ ኽንከ እዩ። 4ንደቂ እስራኤል ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ኮነሎም፥ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ክውሰኽ እዩ። ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽንከ እዩ” በሉ።
5ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ ዝተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ። 6እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣጓላት ሰለጵአድ ዝኣዘዞ ኸምዙይ እዩ፦ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር ዝደለያኦ ይመርዓዋ። 7ነፍሲ ወከፍ ካብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይፅናዕ እምበር፥ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። 8ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ጓል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኽወርስ፥ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትመርዖ። 9ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይፅናዕ እምበር፥ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።”
10ኣጓላት ሰለጵአድ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ። 11ኣጓላት ሰለጵአድ፥ ማሕላ፥ ቲርፃ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ኖዓ፥ ካብ ደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ። 12ካብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተመርዓዋ፤ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኣተን ተረፈ።
13እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 36: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: